ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ብሩንዲ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ አካይዶም


አብ ብሩንዲ ናይ ክልተ መዓልታት መገሻ ዝፈጸሙ ኮምሽነር ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዴ፣ ጸገም ስደተኛታት ብሕልፊ ቡሩንዳዊያን ዝፍተሐሉ ኣገባብ ቆላሕታ ስለዝተዋሃቦ ተተባቢዔ ኣለኹ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት 145,000 ቡሩንዳዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ሓገዝ ከምዝተበርከተሎም፣ ብማእከላይ ግምት፣ ካብ ሩዋንዳ፣ ኮንጎን ታንዛንያን ሰሙናዊ ክልተ ሽሕ ቡሩንዳዊያን ንሃገሮም ይምለሱ ከምዘለው ተገሊጹ።

ቡሩንዳዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣድላዪ ዘበለ ድጋፍ ከምዘብርክት እቶም ኮምሽነር መረጋገጺ ሂቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG