ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፕረዚደንት ነበር ዙማ ናብ ማእሰርቲ ክምለሱ ወሲኑ


ፕረዚደንት ነበር ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝቐረብሉ ዝተወስደ
ፕረዚደንት ነበር ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝቐረብሉ ዝተወስደ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ንቤት ፍርዲ ብዘርኣይዎ ንዕቐት ተሪፍዎም ዝነበረ ናይ 15 ኣዋርሕ ማእሰርቶም ክውድኡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክምለሱ ኣዚዙ።

እቲ ቤት ፍርዲ ዙማ ብምኽኒያት ጥዕና ኣብ መስከረም ዝተፈትሕሉ ውሳነ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሉዎ ኣሎ ።ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሎሚ ረቡዕ ንጉዳዮም ዳግማይ ርእዩ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነፕረዚደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ኣዚዮም ዝሓመሙን ዓቕሚ ዝሰኣኑን ምዃኖምን ዝሕብር መርትዖ የለን ይብል ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብሰንኪ ሕክምና ምሕረት ንዝሃቦ ሃገራዊ ኮሚሽነር ዘይምኽንዩን ኣብ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ነገራት ተመስሪቱ ዝሓለፈ ወሳነ ክብል ክብል ነቒፉዎ ኣሎ።

79 ዓመት ዝዕድሚኦም ዙማ ኣብ ቅድሚ ሃገራዊ መርማሪ ኣይቀርብን ብምባሎም ብምባል ንቤት ፍርዲ ብምድፋሮም ማእሰርቲ ዝተበየነሎም ኮይኑ:እቲ ብይን ብደገፍቶም ተቓውሞ ብምውላዕ ኣብ ክዋዙሉ ናታልን ጋውተንግን ስርቅን ዕንወትን ንብረት ኣውሪዱ እዩ።

XS
SM
MD
LG