ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ግብረ መልሲ ዓቓብ ሕጊ ኣብ ክሲ ተቓውሞ ኣቶ ኢሳያስ ሰሚዑ


ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣቶ ኢሳያስ ዳኛው ንዘቕረቡዎ ናይ ኽሲ ተቓውሞ መልሲ ዓቃቢ ሕጊ ሎሚ ዓርቢ ሰሚዑ።

ልደታ ምድብ መበል 15 ዝወዓለ መጋባእያ ገበን ኣቶ ኢሳያስ ዳኘው ብጠበቕኦም ኣቢሎም ብቕድሚ ትማሊ ናይ መጀመሪያ ደረጃ ተቓውምኦም ብቓል ከምዘስምዑ ብምግላፅ ዓቃቢ ሕጊ እውን መልሲ ብቓል ከስምዕ ሓቲቶም።

ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ ክርክሩ ብፅሑፍ ከምዘቕረበ ምስ ገለፀ እቲ ቤት ፍርዲ ግን ጠበቓ ተኸሳሲ ክርክሮም ብቓል ብግልፂ መጋባእያ ስለዘቕረቡ ዓቃቢ ሕጊ እውን መልሱ በዚ ኣገባብ ከቕርብ ኣዚዙ።ዓቃቢ ሕጊ ብፅሑፍ ዘዳለዎ ክርክር ብምንባብ ከምዘቕርብ ብምግላፅ ምላሹ ብንባብ ኣስሚዑ’ሎ።

ንዝቐረቡ ተቓውሞታት መልሲ ብምሃብ ገበን ዝተፈፀመሉ እዋን ኣይተዘርዘረን ንዝብል ተቓውሞ ግን ብምቕባል እቲ ጉድለት ንምምሕያሽ ግዜ ክውሃቦ ናይ ክሲ መመሓየሺ ከቕርብን ተለዋጢ ቖፀሮ ክውሃቦን ዓቃቢ ሕጊ ሓቲቱ።እቲ ቤት ፍርዲ ናይ ክልቲኦም ወገናት ሙግት መርሚሩ ውሳነ ንምሃብ ን29 ለካቲት 2011 ዓ.ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG