ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኦሮምያ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ብዋሕስ ክፍታሕ ወሲኑ


 ፋይል -ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ
ፋይል -ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ

ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ፣ ናይ 50 ሽሕ ብር ዋሕስ ከምዝተፈትሐ ተፈሊጡ።

ሎሚ ዝተጋበአ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኦሮምያ፣ ነቲ ጠበቃ ዘቅረቦ ዋሕስ 50 ሽሕ ብር ድሕሪ ምግምጋሙ፣ ጋዜጠኛ ታምራት ንክፍታሕ ከምዝወሰነ እቲ ዜና ይሕብር።

ፖሊስ ንታምራት ነገራ ብሽበራ እጥርጥሮ እየ ስለዝበለ፣ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣሲርዎ ከምዝጸንሐ ጠበቅኡ ኣቶ ገመቹ ጉተማ ከምዝገለጸ ወኪልና ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝላኣኸቶ ዜና ይሕብር።

ጋዜጠኛ ታምራት ነገራ ዋና አዳላዊ 'ተራራ ኔትዎርክ' ዝተባህለ ናይ መርበብ ሓበሬታ መሓውር ዜና'ዩ።

XS
SM
MD
LG