ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንጉዳይ እገዳ መገሻ ካብ ኣመንቲ እስልምና ሃገራት ክሰምዕ’ዩ


ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ሎሚ ረቡዕ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝበዝሓ ካብ ህዝበን ኣመንቲ እስልምና ካብ ዝኾነ ሃገራት ኢራን: ሊብያ: ሰሜን ኮርያ: ሶርያ: ቬንዚዋላ ሶማልያን የመንን ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ዘሕለፍዎ ናይ መገሻ እገዳ ክሰምዕ’ዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ናብ ሓላፍነት ካብ ዝመጹ ጀሚሮም ሰለስተ ናይ መገሻ እገዳ ዘሕለፉ ክኾኑ ከለው፥ ቀዳሞት ክልተ ውሳነታት ግዝያዊ እንተነበሩ እቲ ሳልሳይ ግን ናይ ግዜ ገደብ የብሉን።

እዚ ሳልሳይ ውሳነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፍርዲ ክረአ ዝጸንሓ ኮይኑ ተሓለቕቲ ጉዳይ ኢምግሬሽን ግን እቲ ውሳነ ናብ ሃገራት ኣመንቲ እስልምና ኣፈላላይ ዝፈጥር’ዩ ክብሉ ይማጓቱ።

ከሰስቲ ክፍለ ግዝኣት ሃዋይ፥ ምትእኽካብ ኣምነቲ እስልምና ኣብ ሃዋይ ከምኡ’ውን ካልኦት ሰለስተ ውልቀ ሰባት እዮም ።ንሶም እቲ እገዳ ንኣመንቲ እስልምና ዝኾኑ ማሕበረሰብ ዓለም ዝንጽልን ንስልጣን ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ ሕጊ ኢምግሬሽን ዝጥሕስ’ዩ ይብሉ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ግን ፕረዚደንት ግን ምሉእ ሓላፍነት ከምዘለው ይሕብሩ።

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ የመናዊያን ብወገኖም ንከሰስቲ ዘለዎም ደገፍ ብምድጋፍ ኣብያተ ንግዶም ከምዝዓጽው ኣፍሊጦም ኣለው።

ኣብዚ ሎሚ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ዝረአ ጉዳይ እገዳ መገሻ ኣፍሪቃዊያ ሀገር ቻድ ኣብቲ ዝርዝር ምእታዋ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG