ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንሰነዳት ግብሪ ፕረ.ትራምፕ ዝምልከት ውሳነ ሎሚ ክህብ'ዩ


ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ላዕላዋይ ቤት-ፍርዲ ንሰነዳት ክፍሊት ግብሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝምልከት ሎሚ ሓሙስ ናይ መወዳእታ ብይኑ ክህብ`ዩ። ትራምፕ ኣብ 2016 ፕረዚደንታዊ ወፍሪ ካብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ጀሚሩ፥ ብዛዕባ ክፍሊት ቀረጽ መዝገባቱን ካልኦት ፋይናንሳዊ ውዕላትን ወግዓዊ ምግባር ኣብዩ`ዩ ጸኒሑ።

ንዝተፈላለዩ ፋይናንሳዊ ጉዳያት ትራምፕ ዝምልከት `ውን ብባይቶ ኣሜሪካን ዓቀብቲ ሕጊ ኒው ዮርክ መርመራታት ክካየድ ድሕሪ ምጽንሑ ሎሚ ሓሙስ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ክህበሉ ትጽቢት ኣሎ። ብይን ላዕላዋይ ቤት-ፍርዲ ዝስማዕ ዘሎ፥ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ፕረዚደንት ትራምፕ ንካልኣይ ግዜ ይመረጽ`ዶ ወይ ደሞክራት ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ይምጻእ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን`ዩ።

XS
SM
MD
LG