ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ንመስርሕ ምግዓዝ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ይርእዮ ምህላው ተገሊጹ


ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ሎሚ ሰኑይ ብዛዕባ ሕጋውነት`ቲ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምስዳድ ዝብል ኣሰሓሓቢ መስርሕ ውሳነ ክህብ ይዳሎ`ሎ።

መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም ብዘይ ሕጊ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኣፍሪቃውያን ኣብ ሩዋንዳ ከስፍሮም ምስ መንግስቲ ሩዋንዳ ስምምዕ እንተገበረ`ኳ ፡ተሓለቕቲ ግን እታ ሃገር ጽቡቕ መዝገብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት የብላን ብዝብል ነቲ ምግዓዝ ክቃወምዎ ጸኒሖም`ዮም።

ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ተሓሲቡ ዝነበረ ቀዳማይ በረራ ምግዓዝ ስደተኛታት ፡ ሓደ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ምቅዋሙ ተቛሪጹ`ዩ። እቲ መደብ ተመሊሱ ዘጣዕስ ሓደጋ ዘለዎ`ዩ ዝብል ተቓውሞ`ዩ ነቲ ስጉምቲ ከምዝቋረጽ ጌሩ። ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ብወገኖም ብሪጣንያ ምስ ሩዋንዳ ዝገበረቶ ውዕል ኢ-ሰብኣዊ እዩ ከምኡ ድማ ሩዋንዳ ንመስርሕ ዑቕባ ክተመሓድር ዓቕሚ የብላን ይብሉ።

ፖለቲከኛታት ብሪጣንያ ግን እቲ መስርሕ ንዋሕዚ ስደተኛታት መጉደሎ ዝብል እምነት`ዩ ዘለዎም። ኣብዚ ዓመት`ዚ ጥራሕ ልዕሊ 40 ሺሕ ስደተኛታት በቲ እንግሊዝ ቻነል ዝብሃል ካብ ፈረንሳ ብትሕቲ ባሕሪ ዝሓለፍ መንገዲ ባቡር ናብ ብሪጣንያ ከም ዝኣተው ይንገር። ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ፈረንሳ ብሓንቲ ጃልባ ናብተን ባቡራት ክሰጋገሩ ከለዉ እታ ጃልባ ኣብቲ በረዳዊ ዛሕሊ ዘለዎ ባሕሪ ድሕሪ ምግምጣላ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም`ዮም።

XS
SM
MD
LG