ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም


ሓደ ላዕላዋይ በዓል ስልጣን ስለያ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝርዝር'ቶም ከም ቲክቶክ ዝበሉ ስርሒት ቻይና ዝኾኑ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስኽፍታ ዘለዎም ኣመሪካውያን ብምጽንባር ስኽፍትኡ ገሊጹ። ኣመሪካን ካናዳን፡ ቲክቶክ ጸጥታዊ ስግኣት ኣሕዲሩልና'ሎ ብዝብል ካብ መንግስታዊ ትካላት የወግድኦ ከምዘለዋ ዝፍለጥ'ዩ።

ንሳይበራዊ እዚ ኣመሪካ ከምኡ`ውን ንትካል ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ኣጣሚሩ ዝመርሕ ጀነራል ፖል ነከሰን፡ ብዛዕባ`ቲ ቻይና ትገብሮ ዘላ ምስፍሕፋሕ ሳይበራዊ ዓውዲ ስኽፍትኡ ንምግላፅ ብዙሕ ምኽንያት ከምዘለዎ ይገልጽ።ንሱ “ቻይና ብቐሊል ዘይትረኣይ ተቐናቓኒት`ያ" ይብል።

ጀነራል ፖል ነከሰን ኣብ ሰነት ኣመሪካ ኮሚቴ ሓይልታት ምክልኻል ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-ምስክርነት፡ “ ቲክቶክ ብዝተፈላለየ ምኽንያት የሰክፈኒ`ዩ" ኢሉ።ንሱ ክዝርዝር ከሎ ቀዳማይ እቲ ዝሕዝዎ ሓበሬታ፡ ካልኣይ ዝጥቀምሉ ቅመራን ቁጽጽርን`ዩ፡ ሳልሳይ ድማ ንዝደልዩዎ ጽልዋታት ንምምሕዳር ዝጥቀምሉ “ስፍሓት ባይታ`ዩ" ኢሉ።

ዝሓለፈ ወርሒ ኣመሪካን ካናዳን ንቲክቶክ ካብ መንግስታዊ ኣብያተ -ጽሕፈታት ከወግድኦ ምትላመን ኣፍሊጠን`የን። ገለ ኣባላት ባይቶ ድማ ፕዚሲደንት ባይደን ንቲክቶክ ጠቒሊሉ ብሃገር ደረጃ ከይተረፈ ክእግዶ ስልጣን ክውሃቦ ዝሓቱ ኣለዉ። ልዕሊ 100 ሚልየን ኣመሪካውያን ነቲ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዝጥቀሙ ይፍለጥ።

ካልኦት ድማ ቲክቶክ ኣካል ንእሽቶ ጸገም ብምዃኑ፡ ኣብ ምሉእ ሃገር ክኽልከል ንባይደን ስልጣን ምሃብ ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሎም ይከራኸሩ።

“ ኩሉ ሰብ ዝዛረበሉ ዘሎ ጉዳይ ቲክቶክ ከስዕቦ ዝኽእል ስግኣት`ዩ፡ ንሱ ድማ ኮሚንስት ፓርቲ ቻይና ክገብሮ ዝኽእል ስለያን፡ ኣብ ኣመሪካ ዝህልዎ ዘይቅዱስ ጽልዋን`ዩ" ኢሉ። ደሞክራቲክ ሰነተር ማርክ ዋርነር ንሪፖርተራት ክገልጽ ከሎ ቅድሚ ቲክቶክ ኣብ መርበብ ተለኮምኒኬሽን ኣመሪካ ስግኣት ዝነበሩ `ዋ-ወይ` Huawei ከምኡ ድማ ዚ-ቲ-ኢ ZTE ክኾኑ ከለዉ፡ ቅድሚኡ ድማ ናይ ሩስያ `ከስፐስኪ ላፕ` ኔሩ ኢሉ።

ካብ ቨርጂንያ ዝተወከለ ሰነተር ማርክ ዋርነር"እዞም ቴክኖሎጂታት ኣብ ኣመሪካ ሱር ሰዲዶም ጠንቂ ሓደገኛ ሳዕቤን ቅድሚ ምዃኖም ኣጠቓላሊ ዝኾነ ቅድመ-ምድላው ክንገብር ኣለና" ኢሉ።

እቲ ብሰነተር ዋርነርን ካልኦትን ዝድፋኣሉ ዘሎ `The Restrict Act` ማለት `ደርት` ዝብል ዓንቀጽ፡ ንስግኣታት ቴክኖሎጂ ወጻኢ ፈሊኻ ንምልላይ ብሚንስትሪ ንግዲ ዝምራሕን ብማሕበረ-ሰብ ስለያ ኣመሪካ ክትትል ዝግበረሉን`ዩ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ንቲክቶክ ዘመሓድር Byte Dance ዝተባህለ ኩባንያ፡ ቲክቶክ ዝጥቀመሉ ዳታ ፖለቲካዊ ስግኣት ይፈጥር`ዩ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ`ሎ።

እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ቻይናን ቴክኖሎጂ ቻይናን ዘሎ ስኽፍታት እናወሰኸ`ዩ ክመጽእ ጸኒሑ። ትማሊ ሰንበት `ዘ-ዎል ስትሪት ጆርናል` ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፡ ሰበ-ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ፡ ስርሒት ቻይና ዝኾነ ካብ መርከብ ናብ ወደብ ዝንቀሳቐስን ኣብ ብዙሓት ወደባት ኣመሪካ ዘገልግል ዘሎን ክሬናት ማለት መጽዓኒ መሳርሕታት ንስለያ ከገልግሉ ይኽእሉ`ዮም ዝብል ስኽፋታት ከምዘለዎም ኣፍሊጡ`ሎ።

ሪፓብሊካን ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ካርሎስ ጊመነዝ“ኮሚንስቲ ቻይና ንኢንዱስትሪ ክሬናት ወደባት ብሞኖፖሊ ሒዝዎ`ዩ፡ ነዚ ንምዕጻፍ ኣብ ምፍራይ ስትራተጂካዊ ዝኾነ መሳርሕታትና`ውን ክነተኩር ኣለና”ክብል ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።

ኣመሪካ ድሕሪ`ቲ ነታ ባሉን ስለያ ቻይና ዝበለታን ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ከባብታት ኣመሪካ ድሕሪ ምብራራ ወቒዓ ዘውደቐታን ባሉን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ውጥረት`ውን እናሓየለ መጽዩ'`ዩ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ልዕሊ`ተን ኣብ ቻይና ወፍሪ ዝገብራ ካምፓኒታት ኣመሪካ ሕግታት ንምትራር ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ሓደ ፕረዚደንታዊ መምርሒ ከውጽእ ትጽቢት ኣሎ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኪን ጋንግ ብወገኑ፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ንኣመሪካ ብትሪ ገሲጽዋ`ሎ። ኣብ በይጂንግ ንሪፖርተራት ክዛረብ ከሎ፡ ዋሺንግተን ኣብ ቻይና ዘለዋ ፖሊሲ፡ ካብ ጥዑይ ኣተሓሳስባ ጸንቂቑ የላግስ ኣሎ ዝብል ነቔፈታ ደርብዩ።

ንሳይበራዊ እዚ ኣመሪካ ከምኡ`ውን ንትካል ሃገራዊ ስለያ ኣመሪካ ዝመርሕ ፖል ነከሰን ግን፡ ስርሒት ቻይና ዝኾነ ቴክኖሎጂን መድረኻትን፡ ብኸመይ ኣብ ካልእ ረብሓ ከምዝውዕል፡ ፖለቲከኛታትን ነጋዶን ክፈልጡን ጥንቃቐ ክወስዱን ኣገዳሲ`ዩ ይብል።

“ንተግባራትና ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ነገራት ክምርመሩ ግቡእ`ዩ፡ ከምኡ ንገብር ከምዘለና ድማ እተኣመመን `የ- እቲ ሓበረታ ናበይ ይኸይድ ከምዘሎ `ውን ይርድኣ `ዩ “ ኢሉ።

ካብ ተቓናቓኒት ሃገር ዝመጽእ ዝኾነ ነገር ብዕቱብ ክርአ `የ ዝደሊ ዝበለ ጀነራል ነከሰን፡ ንኹሉ ውጽኢታትን ምህርትን ቻይና ምእጋድ ግን ከቢድ ምዃኑ ኣሚኑ`ሎ።

“ መብዛሕቲኡ ንገብሮ ነገራት ኣብ ሕግታት ዓለማዊ- ንግዲ ዝተመርኮሰ`ዩ፡ ቻይና ድማ ኣብ ገሊኡ እምኒ ኩርናዕ`ያ “ ኢሉ።

/

XS
SM
MD
LG