ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ መራሒ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ምስ ልዑል አቡዳቢ ተራኺቡ:ተዘራሪቡ


ላዕለዋይ መራሒ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ምስ ልዑል አቡዳቢ ትማሊ ሰንበት ተራኺቦም ምዝርራቦምን: ዓረብ ኢማራት ኣብዚ እዋን ምስግጋር ሱዳን ደገፋ ከምተበርኽት ምግላጻን ኣገልግሎት ዜና ኢማራት ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።


ሌተናል ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡህራን ኣብ ዓረብ ኢማራት ዑደት ዘካይዱ ዘለው ድሕሪ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኣብ ግብጺ ድሕሪ ምክያዶም እዩ። ምክትሎም ጀነራል መሃመድ ሃምዳን ጋድሎ ድማ ተመሳሳሊ ዑደት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምክያዶም ተፈሊጡ'ሎ።


ተንተንቲ ግብጺ: ዓረብ ኢማራትን ስዑዲን ድሕሪ ውድቐት ኣል በሽር ጽልወኣን ኣብ ሱዳን ንምድልዳል ይሰርሓ ኣለዋ ክብሉ ይሕብሩ።

ኣብቲ ርክብ ልዑል ኢማራት መሃመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ሃገሮም ንሱዳን ዘለዋ ደገፍ ብምግላጽ "ኣብዚ ተአፋፊ እዋን ልዝብ ምስ ህዝቢ ሱዳን ኣገዳሲ'ዩ" እውን ኢሎም።

ንዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዝጠልጡ ተቓወምቲ ሱዳን ግን ካብ ካብ ሰለስቲኣን መሻርክቲ ሃገራት ንዝመጽእ ምትእትታው መጠንቐቕታ ሂቦም ኣለው።

ቀንዲ ተቓዋሚ ውድብ ማሕበር ሰብሞያ ሱዳን ብሰንበት ምስ ኣምባሳደር ስዑዲ ኣብ ሱዳን ምዝርራቡ ሓቢሩ'ሎ።

ክልቲኣን ሃገራት ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራት ኣብ ሱዳን ንዝካየድ ለውጢ ፋይናንሳዊን ንዋታዊን ሓገዝ 3 ቢልዮን ዶላር ከምዝህባ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምግላጸን ይዝከር።

XS
SM
MD
LG