ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኤርትራ ሓድሽ ህጹጽ መምርሒ ኣውጺኡ


ኣብ ዝሓለፉ ግዚያት ኣብ ኩለን ዞባታትን ኣብ ገለ ገጠራትን ኤርትራ ዝኾነ ናይ ጉዕዞ ታሪኽ ኣብ ዘይብሎም ዜጋት ዘሰክፉ መትሓዝቲ ቫይረስኮሮና ብምርኣዩ ካብ ሰሉስ 22 ታሕሳስ 2020 ሰዓት 6 ንግሆ ጀሚሩ ንኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ሰባት ዝኽልክል ሓዲሽ ህጹጽ መምርሒ ተግባራዊ ከምዝኸውን ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኤርትራ 20 ታህሳስ ኣብ ዘውጽኦ መምርሒ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ቲ መምርሒ ብዘይካ’ቶም ክውንዘፉ ዘይክእሉን ዝተፈቕደን ልምዓታዊ፡ ኣገልግሎታውን ድሕነታውን ንጥፈታት ኩሉ ምንቅስቓስ ዜጋታት ኣብ መላእ ሃገር ድሩት ክኸውን’ዩ።

ነቲ መምርሒ ናይ ትግባር ናይ ነፍስ-ወከፍ ዜጋ ሓላፍነት ከምዝኾነ ዘመልከት እቲ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ፡መምርሒ ኣብ ዝጥሕሱ ዜጋታት ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ’ቲ ሓይሊ ዕማም ኣትሪሩ ኣጠንቂቑ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG