ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ሓላፊ ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ንስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ስሙ ክረቋሕ ዘይመረጸ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ዕጹው ናይ ማንዛ ኣኼባ፡ ሃገሩ ኣብ ከይዲ ሰላም ኢትዮጵያን ውድብ ህወሓትን ዘለዋ ተራን ብሕጂ ትጽቢት ዝግበሮን ኣብሪሁ። እቲ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምንባሩ ዘመልከተን ላዕለዋይ በዓል-መዚ፡ ድሕሪ ኣብ ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ዝተፈረመ ስምምዓት፡ ንትግባረ እቲ ስምምዕ ክከታተልን ዝዕዘብን ዝለዓለ ተራ ሒዙ ዘሎ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ክልተ ወገናት ግን ዘለዎም ድሉውነት ኣተባብዒ ምዃኑ ጠቒሱ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝተፈረመሉ ኣብ ውሽጢ 48 ክሳብ 72 ሰዓታት እቲ ውግእ ደው ከምዘበለ ዝሓበረ፡ ላዕላዋይ በዓል-ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ እዚ ድማ ፡ ንህዝቢ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን`ውን ንምሕጋዝ፡ ክልቲኦም ወገናት ዘርኣይዎ ድልውነት ዘንጸባርቕ `ዩ ኢሉ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነቶም ልኡኻት ትግራይ ንምምላስ ኣብ መቐለ ከምዝነበረን፡ ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽየን ከም ዝተራኸበን፡ ድሕሪኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምኽትል ቀ/ሚ ደመቀ መኮነን ዝርከብኦም መሪሕነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርኻቦም`ውን እቲ ላዕላዋይ በዓል-ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጠቒሱ`ሎ።

እቲ በዓል-ስልጣን ካብ መንጎ ብዙሕ ዝቐረበሉ ሕቶታት ሓደ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ወታሃደራት ኤርትራን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ምውጻኦም ዝረጋገጸሉ መገዲ ኮይኑ፡ ጋዜጠኛ ሮይተርስ፡ ኣብ ሕቶኡ ሰራዊት ኤርትራ ምውጻእ እንተ ኣብዮም ኣመሪካ ክትውስዶ ብዛዕባ እትኽእል ስጕምቲ ሓቲቱ ነይሩ።

እቲ በዓል ስልጣን ክምልስ እንከሎ፡ እቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ንዅላቶም ናይ ደገ ሓይልታት ክወጽኡ ስለ ዝሓትት፡ ሰራዊት ኤርትራ ጥራይ ዘይኰኑስ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሚሊሻ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን’ውን ብማዕረ ከም ዝምልከቶም ፈለማ ጠቒሱ። ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ-ስልጣን ትግራይን ንሰምዖ ዘለና እቲ ምውጻእ ከረጋግጹ ድልዋት ምህላዎም ስለዝኾነ፡ ኣቐዲመ ነቲ ውዕል እንተዘየኽቢሮም ከምዚ ክንገብር ኢና ክብል ኣይደልን`የ ኢሉ። እቲ ውዕል ምትግባሩ ንምርግጋጽ ግን፡ብመዳይ ተሓተቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣመሪካ ኣብ ኢዳ ዘሎ ናይ ምትግባር ፖሊሲ ይኹን ናይ ማዕቀብ መስርሕ ክትጥቀም ምዃና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG