ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሉኡላዊንት ሱዳን ተራኺቡ: ተዘራሪቡ


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዖስማን ሳሊሕን ፕረዚዳንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብን ዝሓቖፈ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሉአላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ኣል-ቡርሓን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ካርቱም ተራኺቦም ምዝርራቦም መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ኣፍሊጣ።

ኣብ ቤተ መንግስቲ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ እቲ ልኡኽ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንሓባራዊ ርክባትን ዞባዊ ምትሕብባርን ኣበርኽቶ ዝገብር ታሪኻዊ ዓወት ህዝቢ ሱዳን ዝገልፅ ናይ እንኳዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ኣረኪቡ።

ፕረዚደንት ዓብዱል ፋታሕ ኣልቡርሓን ምሕያል ርክባት ምስ ኤርትራ እምነ- ኩርናዕ ፖሊሲ ወፃኢ ሱዳናዊያን እዩ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG