ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ንካልኣይ ጊዜ ኣብ ሱዳን ይበጽሕ


ብሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን አማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረአብ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ኣቦመንበር መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ካርቱም ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም።

እቲ ልኡኽ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ መልእኽቲ ንሰበ ስልጣን ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ምርኻቡ ሚንስትር ሓበሬታ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።

ኣብቲ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ህዝብን፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ደው ከምትብል ሓቢሩ’ሎ።

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ቡርሃን ብወገኑ ኤርትራ ትጻወቶ ዘላ ሃናጺ ተራ ብምምስጋን ምስ ኤርትራ ጥቡቕ ዝምድና ንምምስራት ዘለዎ ድልውነት ገሊጹ’ሎ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ምስ ምክትል ኣቦ መንበር ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን ሓላፊ ፖለቲካዊ ኮሚተ ሱዳን ተራኺቡ ምዝርራቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG