ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካን ኤውሮጳን ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ምዝታዩ ተገሊጹ


ልዑኻት ሕ/ሃ፣ ኣመሪካ፣ ኣውሮጳ፣ ካናዳን ካልኦት ሃገራትን፣ ምስ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ሎሚ ሰሉስ ኣብ መቐለ ከምዝተዘረቡ ተፈሊጡ።

ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ንጉዳያት ቐርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ንጉዳያት ቐርኒ ኣፍሪቃ ኣኒታ ወይበር፣ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣምባሳደራት ካናዳን ጣልያንንን ካልኦት ሃገራትን፣ ምስ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ካልኦት ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓን ምዝርራቦም ተሓቢሩ።

ብመሰረት ወግዓዊ መራኽቢ እቲ ክልል ድምጺ ወያነ ዝዘርግሖ ሓበሬታ "ኣብ ልዕሊ ትግራይ ንዝተፈፀመ ወራር ስዒቡ ዝተፈፀሙ ገበናት ከምኡ እውን ህዝቢ ትግራይ እዉጅ ብዝኾነ ክባን ዕፅዋን ዝሳዓበ ደልሃመት ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂብዎም" ክብል ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ልኡኽ ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ብዅላቶም ወገናት ንሰላም ዝርአ ዘሎ ቅሩብነት ድሕሪ ምምስጋን፡ ፖለቲካዊ ልዝብ እቲ እንኮ ነባሪ መፍትሒ እቲ ግጭት’ዩ ክብል ገሊጹ። እቲ ኣቐዲሙ ምስ ወከልቲ ፈደራላዊ መንግስቲ’ውን ዝተዛራረበ ልኡኽ፡ ቅልጡፍ ምምላስ መሰረታዊ ቀረባትን ኣገልግሎታትን ኣብቲ ክልል ከም ዘድሊ'ውን ሓቢሩ። ወሲኹ እቲ መግለጺ፡ በቲ ዘሎ ቅሩብነትን ተዛማዲ ምርግጋእን ንሰብኣዊ ሓገዝን ምምላስ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምትዕንቓፍ ኣይምኽኑይን ክብል ኣመልኪቱ።

ብተመሳሳሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ክኣትዉ ዘተሓሳሰበ ልኡኽ፡ ናብ ነባሪ ዕርቂ ንምስጋር ንፈጸመቲ በደል ናብ ግቡእ ተሓታትነት ዝመርሕ መገዲ’ውን ክጣየስ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ መወዳእታ ብዅላቶም ወገናት ዝግበር ንጽልኢን ቂምን ዝዕድም ተዃታዂ ቃናታትን ዘረባታትን ደው ክብል ተማሕጺኑ።

XS
SM
MD
LG