ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም


ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝርከቦ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ልኡኽ ኤርትራ ካብ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተላእከ መልእኽቲ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከብጽሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም
ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

ብዘይካ'ዚ እቲ ልኡኽ ትግባረ ናይቶም ኣቐዲሞም ዝተበጽሑ ስምምዓት ኣመልኪቱ ክዝቲ ምዃኑ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ተቐቢሎሞም።

XS
SM
MD
LG