ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሞቓድሾ ኣትዩ


ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሞቓድሾ ኣትዩ
ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሞቓድሾ ኣትዩ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማነ ገብርኣብ ዝርከቦ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሞቓድሾ ሶማል ኣትዩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ሶማል መሃመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ምርኻቡን ሶማል ነቲ ምስ ኤርትራ ዝተበጽሓ ስምምዕ ንምትግባር ዘለዋ ድልውነት መሊሶም ከምዘረጋገጹ ሚንስትሪ ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።

ኣቐዲሙ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ምክያዱ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG