ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሚ/ጉ/ወ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ሞስኮ ተራኺቡ:ተመያይጡ


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭን
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭን ሎሚ ረቡዕ ሚያዝያ 27 ኣብ ከተማ ሞስኮ ተራኺቦም:ተመያይጦም።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ: ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተረኽብዎ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሞስኮ ርእሰ ከተማ ሩስያ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮም ኣብ ዘካየድዎ ርክብ: ክልቲኦም ወገናት ኣብ ፖለቲካዊ፤ ዲፕሎማስያዊ ፤ ንግድን ወፍርን ከምኡ'ውን ኣብ ጉዳያት ትምህርትን ምልውዋጥ ባህልን ኣመልኪቶም ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእን ከምዝበጽሑን ንምቅንዖም ድማ ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።

ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ብዝምልከት ንመርገጺ ኤርትራ መብርሂ ከምዝሃበ ብተወሳኺ ተሓቢሩ። ኣብቲ ክልቲኦም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ዝሃብዎ መግለጺ ድማ ልኡኽ ኤርትራ - ሩስያን ዩክሬንን ነቲ ግጭት ሓባራዊ መፍትሒ ከናድዩሉ ጸዊዑ። ንጉዳይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ዝምልከት ኣርእስቲ ድማ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም መረዳእታታቶም ገሊጾም።


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ብወገኑ: ንግጭት ዩክሬን ኣብ ዝምልከት ኣመዓባብላ እቲ ግጭት ዕላምኡን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ንልኡኽ ኤርትራ መብርሂ ሂቡ።

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ብዕድመ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረ መስቀል ካብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

XS
SM
MD
LG