ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ የካይድ


ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ሞሊ ፊን፥ ፍሉይ ፕረዚደንታዊ ወኪል ዋዕላ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣምባሳደር ጆን ካርሰን ዝሓወሰ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣመሪካ ዝርከቡዎ ጉጅለ ልኡኽ ኣመሪካ ካብ 14 ክሳብ 19 ለካቲት 2013 ዝፀንሕ ዑደት ንምፍፃም ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ሸውዓተ ኤጄንስታት ኣመሪካ ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ሰበስልጣን መንግስትን ጎናዊ ድማ ምስ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ክራኸብ እዩ። እቲ ልኡኽ ብዛዕባ ቅልውላው ውሕስነት መግብን ኣብ ኣፍሪቃ ዘሕደሮ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ፅልዋን ከምኡ እውን ኣመሪካ ኣብ ዋዕላ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዝኣትወቶ መፅብዓ ቀፃልነቱ ንምክትታልን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዘራረብ እዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ምስጓም ውሕስነት መግቢ ንምሕያልን ብመንግስቲ ኣመሪካ ይካየድ ዘሎ መፃኢ ወለዶ ንመግብ Fee the Future ዝተባህለ ተበግሶ ከጉልሕን እዩ።

XS
SM
MD
LG