ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላሊበላ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር 'ሓይልታት ትግራይ' ከም ዘላ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ


ከተማ ላሊበላ
ከተማ ላሊበላ

ነበርቲ ካብቲ ቦታ ከም ዝሓበሩዎ፡ ታሪኻዊት ስፍራ ላሊበላ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር’ቲ ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ሓይሊ፡ ብፈደራላዊ መንግስቲ ግን “ኣሸባሪ” ተባሂሉ ዝተሰመየ ጕጅለ ከም ዝወዓለት ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ። ነባሮ ላሊበላ ንሮይተርስ ከም ዝሓበሩዎ፡ ምልውዋጥ ተዅሲ ደኣ ኣይንበር እምበር፡ ሓይልታትን ሚሊሻን ኣምሓራ ለቒቖም ድሕሪ ምኻዶም እቲ ስፍራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣንጻር ሓይልታት ኣትዩ ኣሎ።

ሓንቲ ኣብ መዝገብ ቅርሲ ትካል ትምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠትን ባህሊን ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ዝዀነት ላሊበላ፡ በቶም ኣብ ከባቢ ወሎ ዝነብሩ ኣስታት 5 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ከም ቅድስቲ ስፍራ’ያ እትሕሰብ።

ቅድሚ ውሑድ ሰሙናት ኣብ ክልል ትግራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ኲናት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን’ውን ብምልሓሙ፡ ኣስታት ርብዒ ሚልዮን ዜጋታት ተመዛቢሎም ኣለዉ። ንኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ዑደት ምብጻሕ ዝገበሩ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣመሪካን’ውን፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጀሚሩ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ኲናት ሻቕሎቶም ገሊጾም ነይሮም።

ካብ ነባሮ ላሊበላ ዝዀነ ሰይፉ፡ ብስልኪ፡ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ተዛረብቲ ትግርኛ፡ ብሓሙስ ኣብታ ከተማ ከም ዝረኣየ ኣካፊሉ። ብኣገላልጻ ሰይፉ፡ ኣብቲ ከተማ ዝውቱር ዘረባ ኣምሓርኛ ደኣ ይዅን እምበር፡ ትግራኛ ምዝራቦምን ካብ ወተሃደራት ፈደራል ዝተፈልየ ወተሃደራዊ ልብሲ ተኸዲሞ ምንባሮምን ለውጢ ከም ዘሎ ተገንዚቡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰይፉ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ፈደራልን ምስ ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ብረቡዕ ምሸት’ዮም ነታ ከተማ ለቒቖም።

ሰይፉ“እንተ ክኢሎም ክጸንሑ፡ ንሱ እንተ ዘይገይሮም ከኣ መከላኸሊ ነብሲና ዝኸውን ከላሺን ክገድፉልና ለሚንናዮም፡ ኣይሰምዑን ግን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ሓሙሽተ ኣምቡላንሳትን ካልኦት ዓበይቲን ንኣሽቱን መካይን ሒዞም ከይዶም። እናሃደሙ፡ ጸኒሖም ንሰላማዊ ህዝቢ ክከላኸልሉ ዝለመኖም ዓርከይ፡ ተኲሶም ቀቲሎሞ፡” ይብል።

ካልእ፡ ዳዊት ዝተባህለ ነባሪ ላሊበላ’ውን፡ እቶም ኣንጻር ሓይልታት ክኣትዉ ይቀራረቡሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ብሓሙስ ንግሆ ሃዲሙ ከም ዝወጸ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ነጊሩ። ምስ 200 ዝዀኑ ነበርቲ ሃዲሞም ብእግሮም ከም ዝተጓዕዙ’ዩ ዳዊት ዝነግር።

ነቲ ብመሰኻኽር ዓይኒ ዝተባህለ ሓበሬታ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ብናጻ ምንጪታት ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ወሃብቲ-ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተርን ንክልል ትግራይ ዝመርሑ ዘለዉ ሓይልታትን ንምርካብ ኣይሰለጠን።

ዳኒኤል ዝተባህለ ካልእ ነባሪ ላሊበላ’ውን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ናብታ ከተማ ክኣትዉ ከም ዝረኣየ መስኪሩ። ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ዝርከቦ ኣከባቢ ሃዲሙ ከም ዝተዓቝበ ዝሓበረ ዳኒኤል፡ ኣብታ ከተማ ቈልዓ-ሰበይቲ ጥራይ ከም ዝተረፉ ይነግር።ኣንጻር ሓይልታት ክኣትዉ ከለዉ ውግእ ከም ዘይነበረ ከኣ ዳኒኤል ይውስኽ።

ነቲ ታሪኻዊ ቅርሲ ከይትንክፉ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ንሓይልታት ትግራይ ብሓሙስ ኣዘኻኺሩ ኣሎ። ኣመሪካ፡ በቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ደጋጊማ ሻቕሎታ ከተስምዕ ጸኒሓ’ያ።

ወሃብ ቃል ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ነድ ፕራይስ፡ “ላሊበላ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከም ዘላ ጸብጻባት ኣንቢብና። ንህወሓት ነቲ ታሪኻዊ ቅርሲ ከይትንክፉን ክከላኸሉን ከኣ ንጽውዕ፡” ኢሉ።

ላሊበላ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ መስሕብ በጻሕቲ ኢትዮጵያ’ያ። ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ግን ቍጽሪ በጻሕቲ ኣመና ከንቈልቍል’ዩ ጸኒሑ።

ምኽትል ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ፡ ፋንታ ማንደፍሮ፡ ንዅነታት ላሊበላ ኣመልኪቱ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ብሓሙስ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ላሊበላ ካብታ ርእሰ-ከተማ’ቲ ክልል ዝዀነት ባህርዳር 310 ኪሎ-ሜተር ወይ ድማ 190 ማይልስ’ያ ርሒቓ እትርከብ።

Recommended

XS
SM
MD
LG