ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ 167 ናይጀርያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊሳ


ሊብያ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዝጸንሑ 167 ናይጀርያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊሳ።

ምምላስ እቶም ስደተኛታት ብምትሕብባር ሕቡራት ሃገራት: ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታትን ሰበ ስልጣን ሊብያን ዝተኻየደ’ዩ።

እዚ ስጉምቲ ነቲ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዘሎ ብዝሒ ስደተኛታት ንምጉዳል ዝዓለመ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣስታት 600,000 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ሊብያ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ዝበጽሑ ኮይኖም ዝበዝሑ ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ኮይኖም ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ቁጽሪ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ዝኣትው ስደተኛታት ምጉዳሉን እዚ ድማ ከም ውጽኢት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝካየድ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ደው ንምባል ብዝግበሎም ሓገዝን ጸቕጢን’ዩ።

XS
SM
MD
LG