ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ ሰለስተ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከምትዓጽው ኣፍሊጣ


ፋይል
ፋይል

ሊብያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ ሞት ኣስታት 150 ስደተኛታት ዘስዓበ ምጥሓል ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጀልባ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰለስተ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ክዕጸው ምውሳና ኣፍሊጣ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ነቲ ውሳነ ብሓጎስ ከምዝቕበሎ ሎሚ ሶኑይ ካብ ኣብ ጀነቫ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። ሕቡራት ሃገራት ወሲኹ ነቶም ኣብዘን መዳጎኒ ማእከላት ዝጸንሑ ስደተኛታት ንምግዓዝ ፋይናንሳዊ፡ ሕክምናዊን ስነ ኣእምሮኣዊን ሓገዝ ከምዘበርኽት ገሊጹ’ሎ።

ሓደ ካብቶም ክዕጸው ዝተወሰነ መዳጎኒ ማእከል ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ደብዳብ ነፈርቲ ዘጋጠመሉ መዳጎኒ ማእከል ታጁራ ክኸውን ከሎ መዳጎኒ ማእከላት ሚስትራን ኮመስ እውን ካብቶም ክዕጸው ዝተወሰኑ መዳጎኒ ማእከላት ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ሊብያ ሰለስተ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከምትዓጽው ኣፍሊጣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:56 0:00

አባል ኮሚተ ስደተኛታት ዝተመዛበሉ ሰባትን ኣብ ፓርላማ ሊብያ ሳል ፈሂማ “ኣብ ብፖለቲካ ኣብ ክልተ ዝተመቐለት ሃገር ኢና ንነብር ዘለና። ሓደ ኣብ ምዕራብ ሓደ ኣብ ምብራቕ ክልተ መንግስትታ ኣለውና። ደቡባዊ ክፋል’ታ ሃገር ድማ ብሰንኪ ኹናት ዝኾነ አካል ብዘይ ጸገም ክኣትው ዕድል ዝፈጥር’ዩ። እቲ ቀውሲ ስደተኛታት ድማ ካብ ተክእሎ ክልቲኦም መንግስታት ዝዓብይ ጸገም’ዩ። ብዘይ ሓያል ዝሓበረ መንግስቲ ድማ ስደተኛታት ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከይበጽሑ ክንከላከል ኣይንክእልን ኢና” ኢሎም።

ሓደ ክልቲኦም መንግስታት ሊብያ ዝሰማምዕሉ ጉዳይ እንተሎ ግን ጉዳይ ስደተኛታት መፍትሒ ክናደየሉ ከምዝግባእ’ዩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብተን ክዕጸዋ ዝተመደበልን መዳጎኒ ማእከላት ዝርከቡ ስደተኛታት ናበይ ከምዝጣየሱ ብዝርዝር ኣይሓበረን።

ብመሰረት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሊብያ ኣስታት 19 መዳጎኒ ማእከልን ኣስታት 5,000 ስደተኛታትን ኣለው።

XS
SM
MD
LG