ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ ሓገዝ መግቢ ንጎረቤት ቱኒዝያ ትህብ


ብግጭት ትሕመስ ዘላ ሊቢያ ንጎረቤታ ቱኒዚያ ትማሊ ሰሉስ ሓገዝ መግቢ ምሃባ ኤምባሲ ሊቢያ ኣፍሊጡ።ቱኒዚያ ሕፅረት መሰረታዊ ኣቑሕት ከጋጥማ ኣዋርሕ ሓሊፉ ኣሎ።

ሽኮር፣ዘይቲ፣ሕሩጭን ሩዝን ዝፀዓና 96 ናይ ፅዕነት መካይን ትማሊ ሰሉስ ካብ ትሪፖሊ ተበጊሰን ናብ ቱኒዚያ ምእታወን ወሃቢ ቃል ኤምባሲ ሊቢያ ኣብ ቱኒስ ናዒም ኣቺቢ ገሊፁ።

ንሱ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል ‘’እዚ ሓገዝ እዚ ኣብ ትሪፖሊ ካብ ዘሎ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት እዩ" ኢሉ።እቲ መደብ ብድምር 170 ናይ ፅዕነት መካይን ንምልኣኽ እዩ እውን ኢሉ።

ቱኒዚያ ኣብ 2011 ለውጢ ካብ ዘስዓበ ዓመፅ ኣትሒዛ ኣብ ቁጠባዊ ቅልውላው እያ ትርከብ።ሊቢያ ብግጭት እትሕመስ ዘላ ሃገር እንተኾነት እውን ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ዕቋር ነዳዲ ስለዘለዋ ምስ ጎረቤታ ክትነፃፀር ከላ ዝሓሸ ሃብቲ ዘለዋ ሃገር እያ።

XS
SM
MD
LG