ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ዓለም ብደርቂ ንዝተጠቕዓት ሶማል ክት ዝ ክ ር ተማሕጺኖም —
ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍራንሲስ ዓለም ብሰንኪ ደርቂ ብጥምየት ንዝተጠቕዑ ህዝቢ ሶማል ከይርስዕ ትማሊ ሰንበት ምምሕፃኖም ፀብፃብ ኣሶሴትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ኣብ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ሃዋሪያዊ ቤተ መቕደስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ"ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት መነባብሮ ዝርከብ ናይዚ ዞባ ህዝቢ ብደርቂ ዝተላዕለ ቀታሊ ሓደጋ ገጢሙዎም ኣሎ’’ ኢሎም።
ቃሎም ክሰምዑ ንዝተአከቡ ብኣማኢት ዝቕጸሩ ሰባት "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ኵናት ንኣቓልቦን ፀጋታትን ስለዘስሓተ እምበር ምግጣም ኣንፃር ጥምየት፣ንክንክን ጥዕናን ትምህርትን ዝለዓለ ፃዕሪ ዘድልዮም ዕላማታት ክኾኑ ምተገብአ ነይሩ" ኢሎም።
ኵናት ዩክሬን ካብ ካልኦት ቅልውላዋት ሚሊዮናት ዶላር ብሃንደበት ወሲዱ እዩ።
ኢትዮጵያን ጎረባብታ ሶማልን ኬንያን ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝኸፍአ ደርቂ ኣንፀላልዩወን ይርከብ።
ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ኣብቲ ዞባ ኣሽሓት ሰባት ብጥምየት ወይ ብሕማም ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።
ትንበያ ኩነታት ሃየር ናይቶም ዝቕፅሉ ሰሙናት ከምዝሕብሮ ንፈለማ ግዜ ንተኸታታሊ ሓምሻይ እዋን ዝናብ ኣይወቅዕን።
ንብዙሓት ስድራታት መሰረት ሃፍትን ውሕስነት ምግብን ዝኾና ሚሊዮናት እንስሳት ሃሊቀን እየን።