ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ኣለዎ ንዝበልዎ ኣተሓሳስባ ኮኒኖም


ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ናብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ከካይድዎ ዝተመደበ ዑደት ፡ ሓደ ሰሙን ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ኣብ ቫቲካን ምስ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ፡ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ኣለዎ ንዝበልዎ ኣተሕሳሳባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኮኒኖም።

ኣብ ባይታ ዘሎ ታሪኻውን ጂኦግራፊያውን ክውንነት፡ ኣፍሪቃ ንምዝመዛ ከም ትጥዕም ዝንጽባረቐሉ ኩነታት`ዩ ዘሎ ፡ዝበሉ ፖፕ ፍራንሲስ፡ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሎሚ`ውን ቀጺሉ`ሎ ኢሎም።

ኣፍሪቃ ብወራር መዝመዝቲ ትሳቐ ኣላ ዝበሉ ፖፕሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ እቲ ጸገም ድማ ኣባና ዘሎ ኣተሓሳስባን፡ ኣብኦም ዘሎ ጉድለት እምነት፡ምሉእ ናጽነትን`ዩ ክብሉ`ውን ገሊጾም። ካልእ ከም ጸገም ዝገለጽዎ ድማ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ይርኣይ ዝበልዎ ቀቢላዊ ወይ ጉጅላዊ ኣተሓሳስባ`ዩ።

ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ዝመጽእ ዘሎ ሰሉስ 31 ጥሪ፡ ኪንሻሳ ክኣትዉ`ዮም። ኣብ ኮንጎ ብሰንኪ ውሽጣዊ ግጭታት ኣስታት 6- ሚልዮን ተፈናቐልቲ ከም ዘለዉን፡ ንከቢድ ጸገም ሕጽረት መግቢ ተቓሊዖም ከም ዘለዉን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

እቶም ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ ናይ ኮንጎ ዑደቶም ናብ ደቡብ ሱዳን`ውን ከም ዝቕጽሉ፡ ብቫቲካን ዝወጸ ሓበረታ የመልክት።

XS
SM
MD
LG