ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ስደተኛታት ናብ ስቃይ ዝርእይሉ ዘይውሑስ ቦታታት ከይምለሱ ተማሕጺኖም


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ባሕሪ ዝድሓኑ ስደተኛታት ስቓይ ናብዝርእይሉ ዘለው ናብ ከም ሊቢያን ዝአመሰላ ዘይውሑስ ሃገራትን ናይ ምምላስ ተግባራት ጠጠው ከብሉዎም ትማሊ ሰንበት ተማሕፂኖም።

ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ነዚ ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከበ ህዝቢ ዝተለመደ ናይ ሰንበት ፀሎት ምስ ኣብፅሑ እዮም።

"ስደተኛታት ውሑስ ናብ ዘይኮና ሃገራት ምምላስ ደው ክነብሎ ኣለና፤ንናብራ ብቑዕ ዝኾነ ኩነታት ክፍጠረሎምን መስርሕ ምሕታት ዕቑባ ክመዓራረየሎምን ኣለዎ’’ብምባል ንግዳያት ክንፅልየሎም ኣለና ኢሎም።

ኢጣልያንን ማልታን ፍልሰተኛታት ቅድሚ ናብ ውሑስ ወደብ ምውሳዶም ተፀቓቒጦም ከለው ኣብ ጀልባታት ክፀንሑ ብምግባረን ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክንቐፉ ጸኒሖም'ዮም።

ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት: ትካላት ስደተኛታትን ውድባት ሰብኣዊ መሰላትን ንኩነታት ማእኸላት መዳጎኒ ስደተኛታት ክኹንኑ ፀኒሖም እዮም።

XS
SM
MD
LG