ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነበር በነዲክት ብጽኑዕ ምሕማሞም ተገሊጹ


ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነበር በነዲክት
ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነበር በነዲክት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፍራንሲስ ሊቃነ ጳጳስ'ታ ቤተክርስትያን ነበር በነዲክት "ብፅኑዕ ሓሚሞም ኣለው" ኢሎም።ንሶም ንህዝቢ ክዛረቡ ከለው ንበነዲክት ፍሉይ ፀሎት ግበሩሎም ክብሉ ሓቲቶም።

ወሃቢ ቃል ቫቲካን ማቲዮ ብሩኒ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ "ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ስዓታት ብሰንኪ እርጋን የንቆልቁሉ ምህላዎም ንምርግጋፅ እኽእል እየ’’ ኢሎም ። ንሶም ወሲኾም ኩነታት እቶም ጳጳስ ኣብ ክት ትል ሕክምና ምሕላውን ሓቢሮም።

ሊቃነ ጳጳስ ፍራንሲስ ንበኔዲክት ክሪኡዎም ከምዝኸዱ ቫቲካን ወሲኻ ገሊፃ ኣላ።

95 ዓመት ዝዕድሚኦ በነዲክት ኣካላውን ኣእምሮኣዊን ጥዕንኦም የንቆልቁል ምህላውን ካልኦትን ምኽኒያታት ብምጥቓስ ኣብ 2013 ካብ ሓላፍነቶም ወሪዶም።ኣብ ውሽጢ 600 ዓመታት ብከምዚ ካብ ሓላፍነቶም ዝወረዱ ፈላማይ ጳጳስ እዮም።

XS
SM
MD
LG