ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ለገደምቢ፡ ንኩባንያ ማዕድን ወርቂ ዝቃወሙ ነበርትን ሓይልታት ጸጥታን ብዝተፈጥረ ግጭት 5 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ከተማ አዶላ ናይ ኣከባቢ ብኽለትን ጉድኣትን ኣስዒቡ’ዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ ማዕድን ወርቂ ለገደምቢ ንተቃውሞ ዝወጹ ህዝብን ሓይልታት ጸጥታት ግጭት ብምፍጣሩ ሓሙሽተ ሰባት ተቀቲሎም ካልኦት ሸውዓት ድማ ቆሲሎም ክብሉ ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ሎሚ ኣብታ ከተማ ሓይልታት ምኽልካል ምስፋሩን ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቃስ ከምዘየለ ተገሊጹ’ሎ። ኣብቲ ከባቢ ኣብ ወረዳ አጋዋዮ ከተማ አይድማ ህዝቢ ተመሳሳሊ ተቃውሞ ከካይድ ከምዝቀነየ ኩባንያ ሚድሮክ ክወጽእ ይሓትት ከምዘሎን ተፈሊጡ’ሎ።

ብካልእ ዜና ሚንስትር ማዕድንን ተፈጥሮን ጋዝን ነዳዲን ንፈቃድ ስራሕ ኩባንያ ሚድሮክ ወርቂ ለገደምቢ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከምዝአገዶ ተገሊጹ’ሎ።

ትማሊ ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ንምክትል ከንቲባ’ታ ከተማ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ጎንጺ ኣብ ዘዘራርበሉ እዋን ድምጺ ተኹሲ ምስምዑ፡ እቶም ምክትል ከንቲባ’ውን ከምዘረጋገጹ ተሓቢሩ ኔሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG