ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ለውጢ ይመርሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ መርገፂ ኣይተቐየረን’ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ


ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ለውጢ ይመርሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ መርገፂ ኣይተቐየረን ኢሎም ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ መንግስቶም ናይ 15 ሰነ 2011 ዓ/ም ምስ ዝተፈፀመ ቕትለት ዝተጠርጠሩ ምስ ምሓዝ ተኣሳሲሩ ድምፂ ንምዕፋን ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ንዝቐርብ ነቐፌታ ነቲ ሓቂ ኣየንፀባርቕን ክብሉ’ውን ነፂጎምዎ ኣለው።

“ድምፅታት ክኽፈቱ ዝገበረ መንግስቲ እዩ።ድምፅታት ክዕፈኑ የብሎምን ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ዘመላኸተ መንግስቲ እዩ።ንእሱራት ዝፈትሐ እውን መንግስቲ እዩ።ጃም ይግበሩ ዝነበሩ ሚዲያታት ነፃ ዝገበረ እውን መንግስቲ እዩ።ስለዚ ድምፅታት ክዕፈኑ ድልየት የብሉን።”

ድምፅታት እንተዝዕፈኑ ነይሮም ኣብ ኢትዮጵያ ሞባይል ስልኪ ዘለዎ ኩሉ ጋዜጠኛ ኣይምኾነን ነይሩ እውን ኢሎም።ንሶም ብምውሳኽ ስለዘይዕፈኑ እዩ ሞያ ይሃልዎም ኣይሃለዎም ሰባት ከምድላዮም ይዛረቡ ኣለው ኢሎም።

ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት እውን ከምዚ ኢሎም።

“ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ካብ ዝነበረና መርገፂ ዝተፈለየ ነገር የለን።ሎሚ ናይ ፀልማት ቤት የለን፤ሎሚ ፅፍሪ ኣይንቀልን፤ሎሚ ሰብ ኣይቕጥቀጥን።ብሕጋዊ ኣገባብ ይትሓዝ፣ብሕጋዊ ኣገባብ ይፍታሕ።ዝጀመርናዮ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራሲያዊ ባይታ ካብ ምስፋሕን ዘመናዊ ካብ ምግባርን ወፃኢ ንድሕሪት ዝተመለሰ ነገር የለን።”

ናይ 15 ሰነ ፍፃመ ከም ቀሊል ነገር ዘይርአ ኣዚዩ ሓደገኛ’ዩ ነይሩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ዝተጀመረ ናይ ዲሞክራሲ ጉዕዞ ንድሕሪት ንምምላስን መንግስቲ ንድሕሪት ንክምለስን በሪ ዝኸፍት እዩ ነይሩ ኢሎምዎ።

እቲ ናይ 15 ሰነ ፍጻመ እንተዘፈሽል ነይሩን ብዝተተለመሉ መሰረት ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ሰባት ቅትለት እንተዝፍጸም ነይሩ ኣዚዩ ዝለዓለ ጥፍኣት ክወርድ ምኸኣለ ነይሩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG