ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ለውጢ ክሊማ ጠንቂ ሕማማት ዝኾኑ ተጓዳእቲ ባእታታት ከምዘጋድድ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ይሕብር


ለውጢ ክሊማ ጠንቂ ሕማማት ዝኾኑ ተጓዳእቲ ባእታታት ከምዘጋድድ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ይሕብር
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:57 0:00

ለውጢ ክሊማ ጠንቂ ሕማማት ዝኾኑ ተጓዳእቲ ባእታታት ከምዘጋድድ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ይሕብር

ዩኒቨርሲቲ ማንኖሃ ፡ሃዋይ ዘውጽኦ ሓድሽ መጽናዕቲ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ዝፍጠሩ ሓደገኛ ባእታታት 58 ሚእታዊት ካብ ኣብ ደቂ ሰባት ዝረኣዩ ጠንቂ ሕማማት ከምዘጋዽ ይሕብር።

እዞም ሕማማት ድማ ካብቲ ልሙድ ሕማም ሰዓል ክሳብ’ቲ ከበድቲ ሕማማት ዝበሃሉ ደንግ፥ ወይቦ፥ ነድሪ ሳንቡእ፥ ዓሶ፥ ሕማም ዚካን ካልኦትን የጠቓልል።

እቶም ተመራመርቲ ኣብ ኣስታት 70,000 ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት ዘካየድዎ ገምጋም 10 ጠንቂ ሕማም ዝኾኑ ሓደገኛታት ባእታታት ምስ ለውጢ ክሊማ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ምዕዛቦም ይሕብሩ።


ብመሰረት መግለጺ’ቲ ዩኒቨርሲቲ እቶም ተመራመርቲ ምውሳኽ ሙቐት፥ ዝናብ፥ ምዕልቕላቕ ውሕጅ፥ደርቂ፥ ህቦብላ፥ ባርዕ ሓዊ፥ ለውጢ ኣብ ክሊማ ማይን ቅርጺ መሬትን ከምኡ’ውን ለውጢ ኣብ ጽፍሒ ባሕሪ ብቫይረስ፥ ባክተርያ ኮነ ካልኦት ባእታት ዝለዓሉ ሕማማት ጽልዋ ኣለዎም ክብሉ ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG