ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ለውጢ ክሊማ ንምምካት ከምዝሰርሓ ቃል ካብ ዝኣተዋ ሃገራት ውሑዳት ጥራይ ምትግባረን ሓድሽ ዝወጸ ሪፖርት የመልክት


ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት፡ ለውጢ ክሊማ ንምምካት ክንጽዕር ኢና ኢለን ቃል ካብ ዝኣተዋ ሃገራት፡ ኣዝየን ውሑዳት ሃገራት ጥራሕ ቃለን ከምዘኽበራ ትማሊ ዝወጸ ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ካብ መንጎ`ተን ሽዕኡ ዝተሳተፋ 193 ሃገራት፡ 24 ጥራሕ ኣብ ምንካይ ካርቦን ስጉምትታት ከምዝወሰዳ እቲ ሪፖርት ወሲኹ የመልክት። ንዝመጽእ 10 ዓመታት`ውን ወሳኒ`ዩ ዝበለ እቲ ሪፖርት፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እተን ዝበዝሐ ካርቦን ናብ ኣየር ዝተፍኣ ሃገራት ቃለን የኽብራ የለዋን ይብል።

እቲ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ዘይተባብዕ`ኳ እንተኾነ፡ ሃገራት ቃለን እንተኣኽቢረን ብተና ካርቦን ክሳብ 2030 ትሑት ምውሳኽ ከርኢ ይኽእል`ዩ ዝብል ተስፋ`ውን ኣንቢሩ`ሎ።

ዝቕጽል ዋዕላ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ሻርም፡ኣል-ሸኽ ግብጺ ክካየድ`ዩ።

XS
SM
MD
LG