ዋሽንግተን —
ተሰላፊ ጋንታ ኵዕሶ ሰኪዐት (ባስኬትቦል) ሎስ ኣንጀሎስ ሌከርስ ዝዀነ ሌብሮን ጀምስ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዝነበረ ጸወታ ኣብ ውድድራት NBA ተታሒዙ ዝነበረ ናይ ዝበዝሐ ሸቶ ኣመጋቢ ክብረ-ወሰን ሰቢሩ። ኣብ ናይ ትማሊ ውድድር ጥራይ 38 ነጥብታት ዘመዝገበ ጄምስ ኣብ ናይ ጸወታ ዘመኑ 38,390 ነጥብታት ኣቝጺሩ ኣሎ።
ኣቐዲሙ ነዚ ክብረ-ወሰን ሒዙዎ ዝነበረ ካሪም ዓብዱል ጃብር’ዩ።
ካሪም ኣብቲ ናይ ትማሊ ጸወታ’ውን ብኣካል ተረኺቡ ነቲ ክብረ=ወሰኑ ዝመንጠሎ ሌብን ጀምስ “እንቋዕ ሓጐሰካ” ኢሉ።
ለብሮን ጀምስ ንዕስራ ዓመታት ዝተጻወተን ዓበይቲ ዓወታት ዝተጐናጸፈን ተጻዋታይ’ዩ።