ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ለብሮን ጀምስ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ሰይሩ


ተሰላፊ ጋንታ ኵዕሶ ሰኪዐት (ባስኬትቦል) ሎስ ኣንጀሎስ ሌከርስ ዝዀነ ሌብሮን ጀምስ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዝነበረ ጸወታ ኣብ ውድድራት NBA ተታሒዙ ዝነበረ ናይ ዝበዝሐ ሸቶ ኣመጋቢ ክብረ-ወሰን ሰቢሩ። ኣብ ናይ ትማሊ ውድድር ጥራይ 38 ነጥብታት ዘመዝገበ ጄምስ ኣብ ናይ ጸወታ ዘመኑ 38,390 ነጥብታት ኣቝጺሩ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ነዚ ክብረ-ወሰን ሒዙዎ ዝነበረ ካሪም ዓብዱል ጃብር’ዩ።

ካሪም ኣብቲ ናይ ትማሊ ጸወታ’ውን ብኣካል ተረኺቡ ነቲ ክብረ=ወሰኑ ዝመንጠሎ ሌብን ጀምስ “እንቋዕ ሓጐሰካ” ኢሉ።

ለብሮን ጀምስ ንዕስራ ዓመታት ዝተጻወተን ዓበይቲ ዓወታት ዝተጐናጸፈን ተጻዋታይ’ዩ።

XS
SM
MD
LG