ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ለበዳ ኮቪድ ዝፈጠሮ ምምዝባዕ ህይወት መንእሰያት ኬንያ


ፋይል
ፋይል

ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር፡ ንብዙሕ መዳያዊ ኣጠማምታን መገድታት ህይወትን ለዊጡ ኣሎ። እዚ ለበዳ፡ ንሓያሎ ዕንወት ደኣ ይምራሕ እምበር፡ ኣብ ገሊኡስ ማሕበረሰብ ከተሓቛቝፍን ከበላሕትን ኣኽኢሉ’ዩ።

ለበዳ ኮቪድ ምስ አጋጠመ፡ ናይ ሓያሎ ሰባት ቀዳማይ ምንዮትን ሰናይ ትንቢትን ነቲ ሕማም ንምክልኻል ብዛዕባ ዝህሉ ክታበት’ዩ። ተመራመርቲ፡ ተበላሒቶም ቅልጡፍ መሰጋገሪ ክታበት ምስ ረኸቡ ግን ከምቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ግብረ-መልሲ ኣይረኸቡን። እቲ ቀንዲ ጸገም፡ ንዘይምኽታብ ዝሰዓበ ምዕጥይጣይ’ዩ። ንኣብነት ኣብታ ብሳልሳይ እብረ ለብዒ ኮቪድ-19 እትህረም ዘላ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ዋሕዲ ቀረባት ከይኣክል፡ ኣብ ሓያሎ ዜጋታት ዝርአ ዘሎ ምድሕርሓር ንሰብ-ሞያ ጥዕና ኣሻቒሉ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ማላዊ፡ ዛጊት ደኣ ትሕቲ 2% ካብ ህዝባ ጥራይ ተኸቲቡ ይሃሉ እምበር፡ ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ከቢድ ኣብያ ንኽታበት፡ እቲ ተቐሪቡ ዝነበረ መጠን ክታበት ብንውሓት ግዜ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከይከውን ስግኣት ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻባት ሰብ-መዚ እታ ሃገር፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት ክልተ ሽሕ ዝኸትቡ ዝነበሩ፡ ሕጂ ብዙሓት ዜጋታት ቅሩብነት ስለ ዘየርእዩ ዘለዉ ናብ 400 ኣብ መዓልቲ ወሪዶም ኣለዉ።

ለበዳ ኮቪድ-19 ግን ንርእሱ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቶም ካልኦት ዝውቱራት ሕማማት ከምእኒ ቲቪ ወይ ድማ ፍወሳ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስን ኣዝዩ ኣሉታዊ ተራ ከም ዝተጻወተ ካብ ብዙሕ ወገናት ዝመጸ ጸብጻበት ሰብ-መዚ ጥዕና የመልክት። ብሰንኪ’ዚ ለብዒ ንምስ ኤች.ኣይ.ቪ ቫይረስ ንዝነብሩ ዜጋታት ዝባጻሕ ዝነበረ ኣገልግሎት፡ ብዓለም ደረጃ፡ ብ11% ክጎድል እንከሎ፡ ንምክልኻል ቲቪ ዝነበረ ምብጻሕ ድማ ብ19% ሚእታዊት ጎዲሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ገለ ማሕበረኮማትን መንግታትን ግን ነቲ ዝተፈጥረ መዋጥር ናብ ዝሓሸ መገዲ ከውዕለኦ ይጽዕራ ኣለዋ። ንኣብነት ኣብ ኬንያ ምስ እንርኢ፡ ለበዳ ኮቪድ-19 ንብዙሓት መንእሰያት ንግዳም-ሓድርነት ደፊኡ ኣደዳ ገበናት ወልፍታትን ገይሩዎም ኣሎ። መንግስቲ ኬንያ እምበኣር ነዚ ከማእዝን’ዩ ዝጽዕር ዘሎ።

ኣንቶኒ ንድግዋ፡ ኣደኡ ብኻራ ተሃሪማ ምስ ተቐትለት ገዝኡ ገዲፉ ዝወጸ መንእሰይ’ዩ። ካብ ትምህርቲ ገዛኡ ምስ ተመልሰ፡ ኣቦኡን ኣደኡን ብኣሞኡ፡ ብኻራ ተሃሪሞም ከም ዝጸንሑዎ ይገልጽ። ኣሞኡ ንዕኡ’ውን ከይትልክሞ ስለ ዝፈርሐ ድማ ገዛኡ ገዲፉ ንጎደናታት ኣምሪሑ።

ኣንቶኒ ሕጂ ሓደ ካብቶም ንዳግመ ሕውየትን ምጥያስን ዝስርሓሎም ዘሎ ኣማኢት ተናበይቲ ጎደና’ዩ። ሓደ ካብቲ ንሕውየቶም ዝካየድ ንጥፈት ድማ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ’ዩ።

ኣሰልጣኒ ኵዕሶ እግሪን ኣባል እቲ ንሕዳሴ መንእሰያት ዝሰርሕ ማሕበረኮምን ዝዀነ ሹባ ዋንጎ፡ እቲ መደብ ንመንእሰያት ዳግም ናብ ሕብረተሰብ ንኽምለሱ ዝሕግዝን ብስሩዕ ንኽምገቡ ዕድል ዝህብን ምዃኑ ይገልጽ።

"መብዛሕትኦም ስፖርት ይፈትዉ’ዮም። ስለዚ ከኣ ኢና መደባት ኵዕሶ እግሪ ሰሪዕና ክነጥፉ ንሕግዞም ዘለና። እቶም ኵዕሶ ክጻወቱ ዝደልዩ ኵሉ ነገራት ወንዚፎም ኣብ ጸወታ’ዮም ዘተኵሩ። ኣነ ድማ ድሕሪኡ ናብቲ ናይ ቅድም ዝነበረ ህይወቶም ንኽምለሱ ስቕ ኢለ ኣይርእዮምን’የ።”

መንግስቲ ኬንያ ካብ ወርሒ ግንቦት ብዝወሰዶ ተበግሶ፡ ንሓያሎ ተናበይቲ ጐደና ኣልዩ ኣሎ። ኣብቲ መደብ ኣስታት 500 ዝዀኑ መንእሰያት ተሓቚፎም ኣለዉ።

ሲስተር ጀን ሮስ ንዮንገሳ ካብቲ ንተናበይቲ ጐደና ንምሕጋዝ ኣመልኪቱ ዝሰርሕ ትካል "ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ናብቲ ጐደና ከይዱ ነቶም መንእሰያት ዘውግዖም ሰብ ፈሊና ኣሎና። መዓስ ናብዚ ቦታ ሒዝናዮም ንመጽእ ድማ ስሩዕ’ዩ። ነቶም መንእሰያት ዝኸውን ክማላእ ዘለዎ ቀረባት ኣሎ። መግቢን ካልእ ሕክምናዊ መሳለጥያታትን ኣሎና።”ይብላ ።

ምስ ስፍሓት እቲ ዘሎ ሽግራት እቲ መደብ ዳግመ-ሕይወት ቍንጣሮ ምዃኑ’ዩ። ናይሮቢ ኣስታት 60-ሽሕ ስድራቤታት ዝዀኑ ተናበይቲ ጐደና ኣለዋ። ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ እቲ ኣሃዝ 15-ሽሕ ጥራይ’ዩ ነይሩ።

ቍጠባ ኬንያ ዳግም ክሳብ ዝበራበር ድማ እቲ ቍጽሪ ክንኪ ትጽቢት ኣይግበሮን።

XS
SM
MD
LG