ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብቕልጡፍ ናብ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ይልወጥ’ሎ'ኣንቶንዮ ጉተረዝ


ፋይል
ፋይል

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብቕልጡፍ ናብ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ይልወጥ’ሎ ኢሉ።

ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝወጸ መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ኩሎም መሐለዊ ጥዕና ክረኽቡ፡ እቶም ዝያዳ ተተንከፍቲ ድማ መሰረታዊ ዝኾነ ዝብላዕ ዝስተን መጽለልን ከይጎድሎም ይጽውዕ።

ቫይረስ ኮሮና ንኹሉ ዘይፈሊ`ኳ እንተኾነ ኣብ ጽልዋታቱ ግን ይፈላሊ`ዩ ዝበለ ጉተረዝ፥ ኣብ ምብጻሕ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ምትዕርራይ ክግበር ይግባእ ኢሉ። " እቲ ስግኣት እቲ ቫይረስ`ምበር እቶም ሰባት ከምዘይኮኑ ኣይንዘንግዕ” እውን ኢሉ ።

እዚ ናይ ዋና ጸሓፊ ምሕጽንታ ዝስማዕ ዘሎ፥ ሰብ-ስልጣን ጥዕና ዓለም ቃልሲ ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ከምዘየብቅዐ ኣብ ዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን`ዩ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበየና`ሎ- እቲ ቫይረስ ንነዊሕ ግዜ ምሳና ክጸንሕ`ዩ ብምባል ገለ ሃገራት ገና ኣብ ምጅማር ደረጃ`የን ዘለዋ ኢሉ።

ብዙሓት ሃገራት ኣብ ገዛ ናይ ምርጋጥ ስጉምቲ ኣተኩረን ኣብ ዘለዋ እዋን፥ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ንጅመር ወርሒ ጾም ሮሞዳን ሓላሊኽዎ`ሎ።

ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ኣመንቲ እስልምና ዘለውዋ ኢንዶነዥያ፥ ኣብ ከተማታት ዝነብሩ ሚልዮናት ነናብ ዓዶም ከይከዱ ከልኪላ`ላ። ኣብ ዋና ከተማ ጃካርታ ዘለዉ ሰበስልጣን፥ ነቲ ደረት ምዕጻው ክሳብ ግንቦት 22 ብምንዋሕ፥ ኣመንቲ እስልምና ኣብዚ እዋን ናብ መሳጊድ ምኻድ ክሰግርዎ ይሓቱ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG