ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ለርን ዶት ነት”(መርበብ ምህሮ)ዝተሰመየት ሶፍትዌር ዝሰርሑ ክልተ ኣሕዋት ተማሃሮ


ናትናኤል ሄኖክን ክሩቤል ሄኖክን ዝተባህሉ ደቂ 15ን 12ን ዝዕድሚኦም ኣሕዋት፡ LERN.NET (መርበብ ምህሮ)ዝሰመይዋ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር እትሕግዝ ሶፍትዌር (ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም)ብምድላው ኣብ ግብሪ ኣውዒሎም።

እዞም ናይ 9ይን 6ይን ክፍሊ ተማሃሮ ዝኾኑ ኣሕዋት ፡ኣብ መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ካብ ዝተዓዘብዎ ሃጓፋት ተበጊሶም ነታ ‘መርበብ ምህሮ’ ክሰርሕዋ ከምዝተደረኹ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለዉ። “መርበብ ምህሮ(Learn.net)” ካብ መባእታ ክሳብ ኮለጅ ከምኡ’ውን ፍልጠቶም ብስሩዕን ዘይስርዑን ከማዕብሉ ንዝደልዩ ተማሃሮን ካልኦት ሰባትን ዝሕግዙ ብቋንቋታት ትግርኛን እንግሊዝኛን ዝተዳለዉ 14 ገጻት(ክፍልታት)ዝሓዘት ከምዝኾነት መስረቲ ናይ’ታ መርበብ ሓቢሮም ኣለዉ።

ነቲ ፕሮግራሚን ብዝወሰድዎ ሓጺር ስልጠናን ብናቶም ጻዕርን ናቶም መርበብ ምህሮ ክሰርሑ ከምዝኸኣሉን’ዮም ነጊሮምና። ምስኦም ክሰርሑ፥ ክጽምበሩን ተመኩሮ ክለዋወጡን ዝደልዩ ተማሃሮን መንእሰያትን Learnet121@gmail.com ብዝብል ኣድራሻ ክረኽብዎም ናትናኤልን ክሩቤልን ዓዲሞም ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG