ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሆንግ ኮንግ: ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ብዝሒ ኮቪድ-19 ብምግታእ ዕቱብ ስጉምቲታት ከምትወስድ ትገልጽ


ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ መርመራ ቫይረስኮሮና 
ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣብ መርመራ ቫይረስኮሮና 

ዝበዝሓ ከባቢታት ዓለም ካብ ዕጽዋ ኮቪድ-19 ምኽፋት ኣብ ዝጀመረሉ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሆንግ ኮንግ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ብዝሒ ሰባት መዓልታዊ ብቫይረስኮሮና ይትሓዙ'ለዉ።

ብሰንኪ'ዚ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሆንግ ኮንግ ካርይ ላም ምስቲ ናይ ቻይና ዚሮ ኮቪድ ዝብል ፖሊስ ዝኸይድ ሸቶ ንምዕዋት ኣብ ምልእቲ'ታ ኸተማ ግዱድ ምርመራ ቫይረስኮሮና ከም ዝግበር ኣፍሊጦም'ለዉ።

ዝበዝሓ ከባቢ ዓለም ናብ ንቡር ህይወት ኣብ ዝምለሰሉ ዘሎ ሆንግ ኮንግ ግን ንዝርግሓ ኮቪድ-19 ንምግታእ ገና ትቃለሰ'ላ።

ንልዕሊ ሹድሽተ ኣዋርሕ ካብ ወጻኢ ዝተታሕዘ ሰብ ዘይኣተዋ ሆንግ ኮንግ ካብ ሓድሽ ዓመት ሉናር ንነጀው ግን ኣብ ምልእቲ'ታ ኸተማ ፈልቂ ኦምክሮን ብዝልዓለ ናህሪ ይመሓላለፍ'ሎ።

ሆስፒታላትን ክሊንካትን ብምምልኦም መንግስቲ ሆንግ ኮንግ ግዝያዊ ሆስፒታላት ንምስራሕ ይሓሰብ'ሎ።

XS
SM
MD
LG