ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሆንግ-ኮንግ: መንግስቲ ቻይና ንግዳያት ህልቂት ቲናሚያን ዝዝከር ሓወልቲ ኣፍሪሱ


ኣብ 1989 ኣብ ሜዳ ቲናሚያን-በይንጂንግ ንዝተፈጸመ ህልቂት ሰላማውያን ተቓወምቲ ዝዝክር ሓወልቲ ካብ ዩኒቨርስቲ ሆንግ-ኮንግ ሎሚ ተኣልዩ። ንምፍራስ እቲ ልዕሊ 20-ዓመታት ዘቝጸረ ተቓውሞኦም ንምርኣይ ተማሃሮ’ቲ ዩኒቨርስቲ ንመስርሕ ምእላይ እቲ ሓወልቲ ብሓዘን ተኸታቲሎሞ።

ብመሰረት ካብቲ ዩኒቨርስቲ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ምስ ናይ ደገ ኣማኸርቲ ብምዝታይን ንስለ ድሕነትን ጽቡቕ ገስጋስን እቲ ዩኒቨርስቲ ተባሂሉ ዝተወስደ’ዩ።

እቲ ዝተኣልየ ሓወልቲ፡ ንሓደ ብግፍዒ ዝሳቐ ዘሎ ሰብ ዘርኢ’ዩ ነይሩ። ኣብታ ግዝኣት እንግሊዝ ዝነበረት ሆንግ-ኮንግ ድማ ካብቶም ነቲ ፍጻመ ዝዝክሩ ውሑዳት ሓወልቲ’ዩ ነይሩ። ኣብ ካልእ ክፋል ቻይና ግን ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ምዝራብ ክልኵል ኢዩ።

እቲ ዝፈረሰ ሓወልቲ “ኣዕኑድ ሕፈረት” ዝብል ስም ዝነበሮ ኰይኑ፡ ሆንግ-ኮንግ ኣብ 1997 ናብ ቻይና ክትጽንበር እንከላ፡ ሓደ ካብቶም መርኣያ ናጻ ናይ ምዝራብ ሓርነት’ዩ ክርአ ጸኒሑ።

መንግስቲ ቻይና ዛጊት ብዛዕባ ህልቂት ሜዳ ቲናሚያን ኣዕጋቢ መግለጺ ኣይሃበን። መንግስታዊ ምንጭታት ኣብቲ ኣጋጣሚ 300 ዜጋታት ከም ዝተቐትሉ ከመልክት እንከሎ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን እቲ ኣሃዝ ኣሻሓት ምዃኑ’ዮም ዝምጕቱ።

ካብ 2019 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ቻይናን ተዛማዲ ርእሰ-ምምሕዳራዊ ናጽነት ዝነበራ ግዝኣት ሆንግ-ኮንግን ዝምድና ክሽሕክር ጸኒሑ’ዩ። መንግስቲ ቻይና ብዘሕለፎ ሕግታት ኣብ ሆንግ-ኮንግ ንመሰላ ናጽነት ክጸቅጥ፡ በርጌሳውያን ማሕበራት ክዕፍንን ደሞክራሲያዊ ፈልሲ ክቕትልን ምጅማሩ ነቐፈቲ ይዛረቡ። መንግስቲ ቻይና ግን ብፍሉይ ንግዝኣት ሆንግ-ኮንግ ዒላማ ዝገበረ ተበግሶ ከም ዘይወሰደ’ዩ ዝሕብር።

XS
SM
MD
LG