ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሆስፒታላትን ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጽገማ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ይገልጽ


ሆስፒታላትን ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጽገማ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ይገልጽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:05 0:00

ሆስፒታላትን ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጽገማ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ይገልጽ

ድሕሪ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያ ገለ ቅድሚ ሎሚ ክብጽሑ ዘይክኣሉ ከባብታት ክልል ትግራይ፡ ረድኤት ክበጽሖም እንተኸኣለ`ኳ፡ ሕጂ`ውን ሰብኣዊ ረድኤት ብህጹጽ ከምዘድሊ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተወልዐን ንክልተ ዓመት ዝቐጸለን ኩናት ብዓሰርተታት`ታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ቀቲሉ ንኣማኢት ኣሸሓት ንጥምየት ኣቃሊዑን ሚልዮናት ኣፈናቒሉን`ዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ክልቲኦም ወገናት ተጻብኦታት ክብቅዕ ድሕሪ ምስምምዖም ግን፡ ተወሳኺ ረድኤት ንክልል ትግራይ ክኣቱን ገለ ኣገልግሎታት ዳግም ክጅምርን ኣኽኢሉ።

ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ብቪድዮ ኣደጊፉ ኣብ ዝዘርግሖ ሓዲሽ ሓበረታ እንተኾነ ብሰንኪ`ቲ ኲናት ሆስፒታላት ብምዕናዎምን ኣምቡላንሳት ምዝራፈንን ኣገልግሎት ሕክምና ገና ምስ ጎደለ`ዩ ዘሎ ይብል ።

ከቢድ ኲናት ዝተካየደሉ ኣብ ማእከላይ ትግራይ ኣብ የጭላ ዝርከብ መባእታዊ ሕክምና መናድቑ ብጠያይቲ ተበሲዑ ይርኣይ፡ቀረባት ሕክምና`ውን የብሉን።

ዶ/ር ዕርደይ ኣሰፋ ሓላፊ`ቲ ሆስፒታል"ኣብ ኢድና ብዘሎ ጥራሕ ኢና ንጥቀም ዘለና፡ ግን እኹል ኣይኮነን። ንሕክምና ናባና መጺኦም ኣብ ኢድና ክሞቱና ከለዉ ኣዝዩ ዘሕዝን`ዩ” ይብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ጁዲ ፉህንዊ ክትገልጽ ከላ፡ ኣብ ካልኦት ከባብታት ክልል ትግራይ`ውን ጉድለት ሕክምና ልዑል ምዃኑን፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ቀረባት ከምዘይብሎምን ትገልጽ።

ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝነበርኦ 250 ኣምቡላንሳት ድሕሪ`ቲ ግጭት 82 ጥራሕ ከምዝተረፍኦ፡ ብዙሓት ካብኣተን ድማ ከምዘይሰርሓ ገሊጹ`ሎ።

ሚንስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ሊያ ታደሰ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ረድዋን ሑሴን ከምኡ`ውን ወሃቢ ቓል ሓይልታት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ`ቲ ሰብኣዊ ኩነታት ርእይትኦም ክህቡ ብሮይተርስ ተሓቲቶም ምላሽ ኣይሃቡን። ኣብ ክልል ትግራይ ሓላፊ ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ብርሃኑ መኮነን ብዛዕባ`ቲ ኩነታት ክገልጽ ከሎ፡ ብዙሕ ፈተናታት`ዩ ኣጋጢሙና፡ ሓደ ካብኡ ዘዋሪ መኪናና ንሓንቲ ነብሰ-ጾር እናገዓዓዘ ከሎ ብጥይት ዝተሃርመሉ ኩነታት`ዩ ይብል። ተኳሲ መን ምዃኑ ግን ኣህጉራዊ ቀይሕ መስቀል ኣይገለጸን።

XS
SM
MD
LG