ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ናብ ትግራይ ምብጻሕ የጸግም ኣሎ


ናብቶም ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ኣስታት ኣርባዕተ ሚልዮን ዝግመቱ ነበርቲ ክልል ትግራይ፡ ረዲኤት መግቢ ምብጻሕ ኣሸጋሪ ኰይኑ ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ናብቲ ሓገዝ ዝወሃበሎም ቦታታት ዘየተገደበ መስመራት ክኽፈተሉ ደጋጊሙ ይምሕጸን ኣሎ። ብነፈርቲ ዝግበር ምዕዳል ሓገዝ ዘወሃህዱ 30 ሰራሕተኛታት፡ ድሕሪ ነዊሕ ብኩራት በረራት ኣየር፡ ንመቐለ ምእታዎም፡ ንኣካየድቲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዘተስፉ ዜና’ዩ። መጠን ተጸባይቲ ረዲኤት ኣዝዩ ዓቢ ብምዃኑ ግን ኪንዮኡ ዝኸይድ ጠለባት የድልይ'ዩ።

ብዳርባ ነፈርቲ ዝወሃብ ሓገዝ ንምውህሃድ ፍቓድ ዝተዋህቦም 30 ሰራሕተኛታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብሓሙስ’ዮም ናብ መቐለ ኣትዮም። ሲቪላዊ በረራት ብ23 ሰነ ድሕሪ ምቍራጹ እቲ በራር ድሕሪ ናይ ወርሒ ብኵራት ፈላሚ ምዃኑ’ዩ።

እቲ እዋን ሰሙናት ድሕሪ ፈደራላዊ መንግስቲ በይኣንኣዊ ስጕምቲ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝጸወዓሉ፣ ብቐንዱ ድማ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ሸሞንት ኣዋርሕ ኣብ ዘቝጸረሉ’ዩ። ሓይልታት ትግራይ ቀልጢፎም ንመቐለ ድሕሪ ምቍጽጻሮም ንመዓርፎ-ነፈርቲ’ውን ተቖጻጺሮሞ’ዮም።

ወሃብ-ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቶምሶን ፊሪ፡ ኣብ ሰሙን ክልተ በረራታት ናብ መቐለ ከካይዱ ምዃኖም ይሕብር። ብኣገላልጻኡ ድማ፡ እቲ በረራታት፡ ንሰብን ንዋትን ኣብ ምጕዓዝ ወሳኒ ተራ ክህሉዎ’ዩ።

“እዚ ዘሕጕስ ደኣ ይዅን እምበር፡ ካልእ ባህ ዘየብል ወረ’ውን ኣሎ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ስእነት መሳለጥያታት ኣዝዩ ጕሁይ’ዩ። ብዅረት መራኸቢታትን መሰረታዊ ንግዳዊ ልውውጥን ኣብ ዘይብሉ እዋን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ምክያድ ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ።”

ሽሕ’ኳ ስእነት መሰረታዊ መሳለጥያታት ዝፈጠሮ ምስንኻላት እንተሎ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኣስታት 730-ሽሕ ተጸብይቲ ሓገዝ ከም ዝበጽሐ ይሕብር። እዚኣቶም መብዛሕትኦም ኣብ ደቡብን ሰሜናዊ ምዕራብን ትግራይ ዝርከቡ’ዮም። ኣብ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ኣስታት 80-ሽሕ ህዝቢ ሓገዝ ከባጽሕ ተስፋ ከም ዘለዎ እቲ ትካል ብመገዲ ኣፈኛኡ ሓቢሩ።

ብኣገላልጻ ወሃብ ቃል፡ ፊሪ፡ እቲ ዝርአ ዘሎ ገስጋስ ጽቡቕ ደኣ ይዅን እምበር፡ ናጻ፡ ዘይተገደበን ቅልጡፍን መሳለጢታት ምስ ዝቕረብ ጥራይ’ዩ ናብቶም ኣስታት ሚልዮን ዝበጽሑ ደለይቲ ናይ ህይወት-ኣድሕን ሓገዝ ክባጻሕ ዝከኣል። ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ጨንፈር ውሕስነት መግቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 400-ሽሕ ነበርቲ ክልል ትግራይ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም፡ ብኸቢድ ደርቂ ክጥቅዑ ምዃኖም ኣሚቱ ነይሩ።

“ሸሞንት ኣዋርሕ ድሕሪ ዝወሰደ ኲናት ኢና ንዛረብ ዘሎና። ህዝቢ ከኣ ሓሪሶም ምህረቶም ክሓፍሱ ዕድል ኣይረኸቡን። ዝበዝሑ ኣይዘርኡን። ኣብ ገዛ ዝብላዕ ዝተረፎም የሎን። መኽዘናት እኽሊ ተዘሚቱ’ዩ። ካልኦት ከኣ ተመዛቢሎም’ዮም። ገሊኣቶም’ሲ ሓንሳብ’ውን ጥራይ ኣይኰኑን። ስለዚ ኣብ ሕማቕ ኵነታት’ዮም ዘለዉ። ኣብ ባይታ ዘለዉ መሳርሕተይ ይሕብሩኒ ከም ዘለዉ ከኣ’ሞ ካብቲ ዝተፈርሖ’ውን ዝኸፍእ’ዩ። ዓጸቦ ዝወለዶ ስእነት ጥዕና ክዓቢ’ዩ።”

ንሱ ወሲኹ፡ ትካሉ ናብ ኣስታት 2.1 ሚልዮን ነበርቲ ክልል ትግራይ ሓገዝ ከብጽሕ መደብ ሒዙ ከም ዘሎ ይገልጽ። እዚ እናዀነ ግን ረዲኤት መግቢ ዝጸዓና 200 ዓበይቲ መካይን፡ ሰመራ ኣብ ዝተባህለ ርእሰ-ከተማ ክልል ዓፋር ተዓጊተን ከም ዘለዋ ይጠቅስ።

ብኽልል ዓፋር ኣቢለን ይጓዓዛ ኣብ ዝነበራ ናይ ረዲኤት መካይን፡ ብሰንበት ድሕሪ ዝወረደን መጥቃዕቲ፡ እቲ ትካል፡ ብመገዲ ክልል ዓፋር ምጕዓዝ ደው ከም ዘበሎ ኣመልኪቱ ነይሩ።

ብኣገላልጻ ፈሪ፡ እተን ተዓጊተን ዘለዋ ናይ ሓገዝ መካይን፡ ፍቓድ ጸጥታ ምስ ተወሃበን ናብ ክልል ትግራይ ከምርሓ ኢየን።

XS
SM
MD
LG