ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኢትዮጵያ ብዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ስክፍታኡ ይገልጽ


ዓለምለኻዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ህዩማን ራይትስ ዎች፡ሎሚ 30 መስከረም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክገብሮ ንዝጸንሐን ዘይዶ ዘሎን መጽናዕቲ፡ ብመንገዲ ማንዛ(ብርሕቐት) ኣቢሉ፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ።

ተኸታታሊት ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብቲ ትካል ዝዀነት ላቲሻ ባደር፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ዝነበረቶ ኣሰካፊ ደረጃ ሰብኣዊ ጥሕሰት፡ ድሕሪ ለውጢ 2018 ዝሓሸ ደኣ ይምሰል እምበር፡ ድሕሪ ምንዋሕ ምርጫን ካልእ በታዊ ፍጻመታትን ግን ኣመና ከም ዘንቈልቈለ ገሊጻ።

ላቲሻ ባደር ኣብ መግለጺኣ ቀንዲ ጠንቂ ቅልጡፍ ምንቍልቋል ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ፍጻመ ድሕሪ ሞት ህቡብ ድምጻዊ ሓጫሉ ሁንዴሳን ምእሳር ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ምዃኑ ዘርዚራ።

ምስ ምውላዕ ኲናት ኣብ ክልል ትግራይ ድማ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ከም ዝኸፍአ፡ ትካሎም ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ በብእዋኑ ዝፈነዎ መግለጺን’ውን ጠቒሳ። ኣብ ትግራይ ብፍላጥን ንሲቪላዊ ዒላማ ዝገበረ ከቢድ ጥሕሰታት ምፍጻሙ ዝገለጸት ላቲሻ፡ ብሰንኪ’ቲ ዝወረደ ሰፊሕ መግሃስታትን ምዕናው ትሕተ-ቅርጽታትን ንቡር ናብራ ንምጅማር ኣዝዩ ከም ዝኸበድ ሓቢራ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኵነታት በብእዋኑ እናኸፍአ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘመልከተ መግለጺ ህዩማን ራይትስ ዎች፡ እቶም ዝኸፍኡ ተጠቃዕቲ ናይዚ ግጭት ሲቪላውያን ዜጋታት ምዃኖም ይሕብር። ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ሓገዝ ኣዝዩ ውሱንን ፈደራላዊ መንግስቲ’ውን ኰነ ኢሉ ከም ዝሓላልኾን ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሱ።

ኲናት ኢትዮጵያ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን እውን ብምልሓሙ፡ እቲ በብእዋኑ ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ቤት ጽሕፈቶም ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ክህበሉ ከም ዘይክኣለ ድማ እታ ተወካሊት ህዩማን ራይትስ ዎች ጠቒሳ። ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ኲናት፡ ብተመሳሳሊ ንሲቪላውያን ዜጋታት ኣመና ኣጸጊሙ ከም ዘሎን ብሕልፊ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተፈጸመ ቅትለት ቤት ጽሕፈቶም ከም ዝበጽሖ ጠቒሳ።

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ንጉዳያት ኤርትራያውን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ’ውን ጠቒሱ ነይሩ። ኣብ እዋን ኲናት ክልል ትግራይ፡ ኣደራዕ በብይኖም ሓይልታት ምንባሮም ዝተጠቕሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዳሕራይ ካብቲ መዓስከራት ድሕሪ ምህዳሞምን ካልእ ውሑስ ዝበሉዎ ከተማታት ድሕሪ ምእታዎምን ምስ ዘሎ ሓፈሻዊ ካልእ ጸገማት ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸፍአ ኵነት ከም ዘለዉ ጠቒሳ።

XS
SM
MD
LG