ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ክግበር ይጽውዕ


ዓለምለኸ ተሓላቒ ትካል ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ክልል ትግራይ፡ ምምዝባልን ሞትን ሰለማዊ ህዝቢ ብምዕባዩ፡ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ልዕሊ ውሱናት መራሕቲ ኢትዮጵያ ብውልቂን ኣብታ ሃገር ድማ ናይ ኣጽዋር እገዳ ከንብር ጸዊዑ።

ዳይረክተር ህዩማን ራይትስ ዎች ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነት ላቲሻ ባደር ኣብቲ ትማሊ ዝዘርግሐቶ ጽሑፍ፡ ደብዳብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንኮላይ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ግዳይ ዝገበረ ተደጋጋሚ መቕዘፍቲ የኸትል ስለ ዘሎ ቅልጡፍ ምትእትታው ክግበር ጸዊዓ። ባደር ወሲኻ፡ እቲ ንሰበ-ስልጣንን ናይ ኣጽዋርን ማዕቀብ ንኤርትራ ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበ-ስልጣን እታ ሃገርን’ውን ክኸውን ኣለዎ ኢላ። ባደር፡ ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስቅያት ሰለማውያን ዜጋታት ንሰለ ፖለቲካዊ ምችኡነት ሸለል ከይብሃልን ዝግበኦ ክብደት ክረክብን ኣተሓሳሲባ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመገዲ ኣገልግሎት መራኸቢታት ኣቢሉ፡ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰለማዊ ህዝቢ ኣብ ዝርከቦ ማእከል ከተማታት ኲናት ከም ዘይገብር ብምምልካት፡ ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ’ውን ክሰርሕ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ። ዛጊት ግን ብዛዕባ እማመ ህዩማን ራይትስ ዎትች ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ ኣይረኸብናን።

XS
SM
MD
LG