ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝብን መንግስትን ንሓድነት ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ክሰርሕ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ጸዊዓ


ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንሓድነት ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ህዝብን መንግስትን ብፅንዓት ደው ክብሉ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፀዊዓ።

ብመሰረት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅድሱ ኣቡነ ማትያስ ነዚ ዝሓበሩንእዋናዊ ኩነታት እታ ሃገር ብዝምልከት ሎማዕንቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እዮም ።

እታ ቤተ ክርስቲያን ንናይታ ሃገር ሃይማኖት፣ባህሊ፣ናይ ቅርሲ፣ፍልጠት፣ስነፅሑፍን ናይ ምክእኣልን ሓቢርካ ናይ ምንባርን ምልክት ከምዝኾነ ብምሕባር ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ወገን ተፅዕኖ ገይራ ከምዘይትፈልጥን ንኹሉ ብሰለማ፣ብፍቕርን ትምልከት እያ ኢሎም።

ይኹን እምበር ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ግን ኣብ ልዕሊ እታ ቤተክስቲያንን ብሄር ተኮር ኣሰቃቒ ይትረፍስ ክፍፅም ክሕሰብ ዘይኽእል ተግባር ኣብ ክልል ኢትዮጵያ ሶማሌ፣ሻሸመኔ፣ጣና በለስን ካልኦት ከባቢታት ከምዝተፈፀሙ ሓቢሮም።

ዛጊት ዝተፈልጡ ትሽዓተ ኣብያተ ክርስቲያን ምስ ምሉእ ንብረቶም ቤት ፅሕፈት ሃገረሰብከት ናይቲ ከባቢን ኣብያተ ትምህርቲ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ከምዝተቓፀሉን ሓሙሽተ ካህናት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝተቐትሉን ገሊፆም ኣለው።

መንግስቲ ድሕነት ዜጋታትን፣ናይ ሃገስ ሰላምን ሓድነትን ንምሕላው ልዕልነት ሕጊ ከኽብርን ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት እውን ቅድሚ ኩሉ ንሓድነት ሃገርን ድሕነት ዜጋታትን ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም ።

መናእሰይ እውን ብስምዒት ተደፋፊኦም ኣብ ልዕሊ ወገን ቅድሚ ምጭካን ደው ኢሎም ክሓስቡን ንማዕዳ መንግስቲ፣ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ክሰምዑን ሃገር እትምዕብለሉን ሰላማ ዝሕለወሉን ክሰርሑን ኣቡነ ማትያስ ፀዊዖም።

XS
SM
MD
LG