ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ህዝብታት ኣምሓራን ኤርትራን ዘይበታተኽ ናይ ስነ-ልቦና ሓድነት ዝሃነጹ`ዮም'  ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር


ህዝብታት ኣምሓራን ኤርትራን ዘይበታተኽ ናይ ስነ-ልቦና ሓድነት ዝሃነጹ`ዮም ክብል ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር ገሊጹ።

ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ህዝብታት ኣምሓራን ኤርትራን ኣብ ዝጎረባብትሉ ወልቃይትን ጠገዴን ሑመራን ሓቢሮም ዝነብሩ ህዝብታት ብምዃኖም ሓድነቶም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ንኽሕይል ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።

ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕ ኣፍሪቃ(ሴካፋ) ትሕቲ 23 ዓመት ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንምፍናው ኣብ ዝተዳለወ ናይ ድራር እንግዶት ዝተዛረበ ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝመጸ ለውጢ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝምድታታት ክልቲአን ሃገራት ብምትዕርራይ ንሓድነትን ሕውነትን ህዝብታቶም ከሐድሱ ምኽኣሎም ጠቒሱ ።

ኣቶ ተሻገር ብባህሊ፡ ብታሪኽን ሃይማኖትን ሓደ ዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብፍላይ ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ብግጉይ ናይ ፖለቲካ ትረኻ ተፈላልዮም ምጽንሖም`ውን ገሊጹ`ሎ።

ኣብቲ እዋን፡ መራሒሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣቶ ዳንኤል ዮውሃንስን ተጻወትን፡ ናይ ምስጋና ዘረባ ዘስምዑ ክኾኑ ከለዉ፡ ርእሰ-ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፡ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ህያብ ምልኣኹ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ባህርዳር ሓቢራ`ላ።

ነቲ ስፖርታዊ ሸነኹ ዝምልከት ዜና፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ምድበን ድሕሪ ምትራፈን፡ ሴካፋ ኣብ ዝሰርዖ ናይ ደረጃ ግጥም፡ 1-1 ድሕሪ ምፍልላየን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብፍጹም ቅላዕ፡3-2 ምዕዋታ፡ ምስ `ታ ጋንታ ዝተጉዓዘ ጋዜጠኛ ስፖርት ኤርምያስ ገብረልዑል ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG