ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝባዊ ናዕቢ ከተማ ሚንያፖሊስ ኣመሪካ - ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ክእወጅ ደሪኹ


ህዝባዊ ናዕቢ ከተማ ሚንያፖሊስ ኣመሪካ
ህዝባዊ ናዕቢ ከተማ ሚንያፖሊስ ኣመሪካ

ምስ ቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብኢድ ፖሊስ ብዝተተሓሓዘ ዝተቖጥዑ ነበርቲ ከተማ ሚንያፖሊስ ትማሊ ንመደበር ፖሊስን ካልኦት ንግዳዊ ትካላትን ብምጥቃዕ ከምዘቃጸሉ ተፈሊጡ።

ከንቲባ ከተማ ሚንያፖሊስ ጃኮብ ፍረይ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጎሃሃረ ዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ንምቁጽጻር ኣዋጅ ህጹጽ እዋን'ኳ ትማሊ ሓሙስ እንተኣወጀ: ኣማስይኡ እቲ ናዕቢ ናብ መደበር ፖሊስን ንግዳዊ ትካላትን ምቁጽጻርን ምቅጻልን ከምዝዓረገ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ህዝባዊ ናዕቢ ከተማ ሚንያፖሊስ ኣመሪካ
ህዝባዊ ናዕቢ ከተማ ሚንያፖሊስ ኣመሪካ

ከንቲባ ከተማ ሚንያፖሊስ ጃኮብ ፍረይ ኣብታ ከተማ ብርግጽ ሕርቃንን ሓዘንን ሰፊኑ ከምዘሎ ብምግላጽ ይዂንምበር "እምንን ካልእ ተወርወርትን መፍትሒ ኣይኮነን" ኢሉ። ንሱ ብተወሳኺ ምቅጻልን ምዝራፍን ንሕብረተሰብ ኣገዳሲ ዝኾኑ ትካላት ተቐባልነት ከምዘይብሎም ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ክፍለግዝኣት ሚናሶታ ቲም ዋልዝ ብወገኑ: እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ንምቁጽጻር ብ ናሽናል ጓርድ ዝፍለጥ ሰራዊት እታ ግዝኣት ናብታ ከተማ ኣዋፊሩ ኣሎ። እቶም ሰራዊት ብቊጽሪ 500 ክኾኑ ከለው: ኣብ ከተማታት ሚንያፖሊስ፥ ሰይንት ፖልን ከባቢታተንን ክምዝተዋፈሩ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ፖሊስ ከተማ ሚንያፖሊስ ኣብ ቅትለት ፍሎይድ ኢድ ዝነበሮም ኣርባዕተ ፖሊስ ካብ ስርሖም ከምዘባረሮም ይፍለጥ። እቲ ጉዳይ ድማ ብኣኽበርቲ ሕጊ ይርአ ከምዘሎ ብተወሳኺ ይሕበር።

XS
SM
MD
LG