ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ህዝቢ ትግራይ ዘይሳተፈሉ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ክህሉ ኣይክእልን`ዩ' ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ህዝቢ ትግራይ ዘይሳተፈሉ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ክህሉ ኣይክእልን`ዩ ኢሎም ።

ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መንግስታዊ ሚድያ ብትግርኛ ዝገበርዎ ቀዳማይ ክፋል ቃል-መጠይቕ፥ ንህዝቢ ትግራይ ንምጉዳእ ዝብል ከም ሓሳብ`ውን ክልዓል ኣይክእልን`ዩ- እንተሃልዩ ድማ ክእረም ኣለዎ ኢሎም።

ንሶም ምስ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ`ውን ዝምድናታት እናሓይለ ይኸይድ ብምሕባር : መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ዝጻወቶ ዘሎ ተራ ንኢትዮጵያ ሓጋዚ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጾም።

ቀዳማይ​ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ መግለጺኡ፥ እዚ መጺኡ ዘሎ ለውጢ ጽቡቕ`ኳ እንተኾነ ከም ዝኾነ ለውጢ ናይ ባዕሉ ቃንዛ ኣለዎ ኢሉ። ነቲ ለውጢ ምስ ሕማም ሕርሲ ዘተሓሓዞ ዶ/ር ኣቢይ ፥ ሃገር ኣብ ፈተና ከም ዘላ መጠን ከምቶም ኣብ ካልኦት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ካልእን ዘሎ ፈተናታት፥ ህዝቢ ትግራይ`ውን ናይ ባዕሉ ፈተና ኣለዎ፥ እዚ ፈተና`ዚ ግን ግዚያዊ`ዩ- ቀስ እናበለ ዝፍታሕ`ዩ ኢሉ።

ኣብ መንጎ ህወሓትን ብልጽግናን ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ`ውን ጸቕጢ ከምዝፈጥር ዝጠቐሰ ዶ/ር ኣቢይ፡ እዞም ኣብ መንጎ ውድባት ዘለዉ ተወሰኽቲ ጸገማት ምስ ምፍታሕ ክልትኣዊ ጸገማት ክፍትሑ`ዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም ብምሕባር “ንሕና`ውን ከም ብልጽግና ብትዕግስቲ ብምዝርራብ ጥራሕ ናይ ምፍትሑ ድልየት`ዩ ዘለና- ኣብ ውሽጢ ህወሓት`ውን ነቲ ጸገም ብሰላም ናይ ምፍታሕ ድልየት ዘለዎም ኣካላት ኣለዉ- ዘይደልዩ ከኣ- ኣለዉ” ኢሉ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሳልሳይ ነጥቢ ኢሉ ዝጠቐሶ ድማ ነቲ ጸገም ናይ ኣተሓሳስባ ኣፈላላይ ከስፍሕዎ ዝደልዩ- ኣብ ብዙሓት ሚድያታት ዝርኣይ ነቲ ጸገም ናይ ምግዳድ ተግባር`ዩ ብምባል፥ ከምቲ ኣብ ሕወሓት ዘለዉ ደለይቲ ጎንጺ ኣብ ካልኦት`ውን ኣለዉ-ብዝተረፈ ግን ንህዝቢ ትግራይ ንምጉዳእ ዝብል ሓሳብ የለን- ከምኡ ዝብል ኣተሓሳስባ እንተሃልዩ ግን ክእረም ኣለዎ ኢሉ።

ኣብ ትግራይ ዘለዋ ሚድያታት ዓጺኻ ኣብ ፈደራል ዘለዋ ግን ከም ዝቕጽላ ዝተገብረሉ ኩነታት ኔሩ`ዩ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ፥ ድሕሪ ለውጢ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናጽነት ሚድያ ከም ዝኸፍትና ዓለም ዝፈልጦ`ዩ፥ እንተኾነ ገሊኤን ናይ ሚድያ ስነ-ምግባር ካብ ዘይ-ምርዳእ፥ ገሊአን ኮነ ኢለን ናይ ሓሶት ወረ ብምዝርጋሕ ህዝቢ ንምግጫው ዝፈተና ኔረን `የን፥ ኣብ ክልል ትግራይ`ውን ምስ ባህልን ክብርን ህዝቢ ትግራይ ዘይሳነ መደባት ይቐርብ ኔሩ`ዩ እንተኾነ እቲ ብበዓል ስልጣን ሚድያ ኮርፐርሽን ዝተወስደ ስጉምቲ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ንዝነበረ ህውከት ንምትህድዳእ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከም ዝኾነ`ዩ ዝርድኣኒ፡ ሃገር ናይ ምድሓን ስጉምቲ`ዩ- እዚ ድማ ግዜያዊ ስጉምቲ`ዩ ኢሉ።

ህዝቢ ትግራይ ባህሉ ልምዓቱን ክንሰምዕ ንደሊ ኢና- እተን ሚድያታትውን ሰባት እናዓደምካ ካብ ዘይድሊ ጸርፍታት ምግዋሕ ወጺአን ኣብ ሃናጺ ርእይቶታት እንተዘተኩራ ዝበለጸ ምኾነ ምስ በለ- ስዒቡ ዝቐረበሉ ሕቶ፥ ህዝቢ ትግራይ ንኸይረጋጋእን ናብ ልምዓቱ ንኸየተኩርን ብመንግስቲ ፈደራል ዝተወደቡ ዝተፈላለዩ ውዳበታት እንሓመስዎ ይርከቡ ይብሃል`ዩ`ሞ ርእይቶኹም እንታይ`ዩ ንዝብል ሕቶን ኣብቲ ቃለ ምልልስ መሊሱ ።

ብዛዕባ`ቲ ንካልእ ጊዜ ዝተመሓላለፈ ሃገራዊ ምርጫ ዝቐረበሉ ሕቶ ድማ፥ እቲ ሎሚ ዓመት ክኻየድ ተወጢኑ ዝነበረ ምርጫ 6ይ ሃገራዊ ምርጫ ምንባሩ ይፍለጥ`ዩ- በደረጃ ዓለም ኮቪድ 19 ምምጽኡ ምኽንያት ብምግባር ድማ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምርጫ ምግባር ከምዘይክኣል ኣፍሊጡ`ዩ ይኹን`ምበር ህወሓት ብምርጫ ዝተመርጸ መንግስቲ ኢና ንደሊ ብዝብል እምነት፥ ምርጫ ንምክያድ ብቤት ምኽሩ ኣጽዲቕዎ`ሎ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ መራሕቱ ምምራጹ እንታይ ጌጋ ኣለዎ ዝብል`ዩ።

ኣብ ኣድላይነትን ግድነትን ምርጫ ኣፈላላይ ዘለና ኣይመስለንን ዝበለ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ንምርጫ ቆጸራ ሒዝና እናተዳለና ከለና፥ ዘይሓሰብናዮ ናይ ኮሮና ፈተና መጺኡ፥ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ድማ ምርጫ ክሳብ ዝግበር እቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣካላት ክቕጽሉ ወሲኑ`ሎ እዚ ድማ ንብልጽግና ይቐጽል ንሕወሓት ድማ ኣይትቐጽል ዝብል ውሳነ ኣይነበረን ኢሉ። ስለዚ ኣብ ክልል ትግራይ ኮሮናቫይረስ ስግኣት ኣይኮነን ድዩ? ወይ ንሕሙማት ዝቕበል ዘመናዊ ሆስፒታል ወይ መድሃኒት ኣለና ድዩ ? ንሓደ ዓመት ንዘይምጽባይ ክንድዚ ዝኸውን ናይ ሚልዮናት ባጀት ምውጻእ እንታይ የድሊ? ገንዘብ እንተለና ናይ ማይ ጉድጓድ ዘይንኹዕተሉ፥ ሆስፒታል ዘይነስርሓሉ ዝብል ሕቶታት ክተልዕል ይገብረካ`ዩ ይብል።

ኣተሓሒዙ ብኻልእ ወገን ድማ ህወሓት ብሓቂ ስልጣኑ ንካልኦት ውድባት ከረክብ ስለዝደለየ ድዩ ምርጫ ክገብር ደልዩ? ምርጫ ማለት ክልተ ሰለስተ ሓሳባት ሒዝካ እቲ ሓሳባት ንህዝቢ ኣቕሪብካ፥ ህዝቢ ዝወሰዶ ሓደ ሓሳብ ወሲዱ ናይ ባዕሉ መንግስቲ ክተክል ከሎ`ዩ -ንሱ`ዩ ደሞክራሲ ዝብሃል፡ ኣብ ትግራይ ግን ከምኡ ዝበሉ ሓሳባት ተዓፊኖም ከለዉ እቲ ናይ ምርጫ ድራማ ተመሊሱ ህወሓት ናብ ስልጣን ንምምጻእ እንተኾይኑ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን`ውን`ኮ ንሓደ ዓመት ኣብ ስልጣን ጽናሕ ኢልዎ`ዩ ዘሎ ይብል ። ካብኡ ወጻኢ ግን ፈደራል ኣብ ናይ ክልል ጉዳይ ኣይኣቱን፥ እታ ናይ ፈደራል ሓላፍነት ድማ ኣሕሊፍና ኣይንህብን ኢሉ።

ብዛዕባ ምዕጻው ናብ ትግራይ ዝኣትዉ መንገድታትን ምድኻም ኤኮኖሚ ትግራይ ዝብልን`ውን ዝተሓተተ ዶ/ር ኣቢይ፥ ካብ ወገን ክልል ትግራይ፡ ንፈደራል መንግስቲ ኣይንኣምነሉን ኣይንፈልጦን ዝብል ዘረባ`ኳ እንተሃለወ ንሕና ግን ቁጠባ ትግራይ ክጉዳእ ኣይንፈቅድን ኢና ኢሉ። ንትካል ትእምት ዝምልከት ንናይ ጸጥታ ፖለቲካን ንግድን ሓላፍነታት ደራሪቦም ብሓላፍነት ዝሓዝዎ ኣካላት ዝፈጥርዎ ጸገም ክህሉ ይኽእል`ዩ ዝበለ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ፡ካብኡ ዝተረፈ ቁጠባ ትግራይ ኣካል ቁጠባ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ቁጠባ ትግራይ ጎዲእካ ብልጽግና ክተረጋግጽ ኣይትኽእልን ኢኻ፥ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ከም ኤርትራ ዝበላ ጎረባብትና ሃገራት`ውን ብሓባር ክንዓቢ ኢልና ንሰርሕ ዘለና ኢሉ።

ቀዳማይ ክፋል'ቲ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG