ዋሽንግተን —
42 መዓልታት ዘቑፀረ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ዝምልከት ምስ ክልተ ተንተንቲ ዝተኻየደ ቃለ ምልልስ
ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ስምምዕ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ፧ኣብ ክልል ትግራይ እንታይ ይፍፀም ኣሎ፧ምስ ምውፃእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን ምፍታሕ ከበድቲ ኣፅዋር ሓይልታት ትግራይን ዘሎ ኩነታት እንታይ እዩ፧ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ፧ ኣብ ዝብሉን ካልኦት ነጥብታት ዶክተር ፅጋቡ ኣስመላሽን ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።