ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ተዛዚሙ


ዞባ ሲዳማ ክልል ንምዃን ብዝተላዕለ ሕቶ መሰረት ሎሚ ህዝቢ ህዝበ ውሳነ ብምኽያድ ድምጹ ክህብ ውዒሉ’ሎ።

እቲ ህዝበ ውሳነ ፍረ’ቲ ኣብታ ሃገር ይካየድ ናይ ዘሎ ለውጢ’ዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ህዝቢ ሲዳማ ኣቶ ሰለሞን ካሊ ተዛሪቦም ኣለው።

ውጽኢት’ቲ ህዝበ ውሳነ ዞባ ሲዳማ ክልል ክኸውን ዘረጋግጽ እንተኾይኑ እዚ ሓድሽ ክልል ዝምራሕ ብሓድሽ ዝተመስረት ፓርቲ ብልጽግና ከምዝከውን እቶም ኣፈ ጉባኤ ወሲኾም ሓቢሮም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቅድም ክብል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ኢትዮጵያ ትጉዓዘሉ ዘላ ጎደና ዲሞክራሲ ሓባሪ’ዩ ኢሎም ኔሮም።

እቲ ከይዲ ህዝበ ውሳነ መምሃሪ ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ ገለ ጉድለታት ብሰላማዊ መንገዲ ብዝለዓለ ተሳትፎ ህዝቢ ከምዝተኻየደ ተዓዘብቲን ኢትዮጵያዊያን ማሕበራት ሲቪክን ገሊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ተዛዚሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:24 0:00


XS
SM
MD
LG