No media source currently available
ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዞባ ሲዳማ ክልል ንምኳን ብዝቐረበ ሕቶ መሰረት ሎሚ ነበርቲ ንህዝበ ውሳነ ድምጾም ክህቡ ውዒሎም ኣለው። ወሃብቲ ድምጺ ካብ ሰዓት 6 ወጋሕታ ጀሚሮም ኣብ መድመጺ ኑቕጣታት ተራእዮም’ዮም። ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ ንምስታፍ 2.3 ሚልዮን ሰባት ኣብ 1,700 ኑቕጣታት ድምጾም ንምሃብ ምምዝጋቦም ተፈሊጡ’ሎ።