ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ፤ ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር ገበን ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩ ሰባት ጉዳይ ተወሳኺ ቆጸራ ተዋሂቦም


ኣብ ኢትዮጵያ "ህውከትን ዕግርግርን ብምፍጣር ገበን’’ ተጠርጢሮም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሓሙሽተ ውልቀሰባት ቤት ፍርዲ ትማሊ ተወሳኺ ናይ ሸሞንተ መዓልታት ቆፀሮ ምሃቡ ካብ ጠበቓታት እቶም ውልቀሰባት ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ሰለሞን ገዛህኝ ገሊፁ።

ኣብ መዝገብ ክሲ ፕሮፌሰር ሲሳይ ኣውግቸው ዝርከቡ ውልቀሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ባህር-ዳር፣ኣዳማን ድሬዳዋን ላዕለዎት ሰበስልጣንን መራሕትን መንግስቲ ዒላማ ዝገበሩ መጥቓዕትታት ንምፍፃም ሃገራዊ ህውከትን ዕግርግርን ንምልዓል ይንቀሳቐሱ ነይሮም ክብል ሓባራዊ ግብረ-ሓይሊ ፀጥታን ድሕነትን ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ገሊፁ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ገበን ተጠርጢሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣብ ሓደ መዝገብ ጉዳዮም ይርኣይ ዘሎ ትሸዓተ ናይ ዩቱብን ካልኦት ማሕበራዊ መራኽብን ሰብ-ሞያ ሎሚ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG