ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ከካይዶ ዝቐነየ ኣኼባ 9 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ብምውጻእ ዛዚሙ


ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህውሓት) ኣብ መቐለ ዘካየዶ ናይ ስለስተ መዓልታት አኼባ ትሸዓተ ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ብምውጻእ ሎሚ ዛዚሙ’ሎ።

እቲ መግለጺ ብፍላይ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ 28 ግንቦት, 2018 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባን ዘውጽኦ መግለጺን ዝተኾረ’ዩ።

ህወሓት ኣብ መግለጺኡ እቲ ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ኣብ ቀረባ ዘሕለፎ ውሳነ ንጸገም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምፍታሕ ዘቐመጦ ኣንፈት ኢህወዲግ ኣቐዲሙ ክኽተሎ ካብ ዝነበረ ዘይተፈልየን ነባሪ ሰላም ዘምጽእን ስለዝኾነ ግቡእን እዋናውን’ዩ ኢሉ ከም ዝአምን ገሊጹ’ሎ።

ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ንትካላት ልምዓት መንግስቲ ሕጂ ንሕጂ ብዘገጠሞ ሃገራዊ ኢኮኖሚያዊ ጸገም ንቴሌኮሚኒኬሽን፡ መፈልፈሊ ጸዓት፡ መንገዲ ኣየርን ካልኦትን ኣመልኪቱ ዘሕለፎ ውሳነ ኢህወዲግ ኣቐዲሙ ይስዕቦ ምስ ዝነበረ ፖሊስ ዘይጋጨውን ኢህወዲግ ኣብ ቀዳሞት ኣኼባታቱ ዝወሰኖም ምዃኑ ብምርግጋጽ ብዝለዓለ ጥንቃቐ ክትግበሩ መጸዋዕታ የቕርብ ክብል መግለጺ ህውሓት ይሕብር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ህወሓት ከካይዶ ዝቐነየ ኣኼባ 9 ነጥብታት ዝሓዘ መግለጺ ብምውጻእ ዛዚሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:26 0:00

XS
SM
MD
LG