ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕውሓትን አደፓን - ሓደ ነቲ ሓደ ዝኸስስ መግለጺ ኣውጺኦም


ማእከላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ድሕሪ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ኣብዘውፀኦ መግለፂ: ኣብ’ዚ እዋን፣ ህልውና ኢትዮጵያ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክወስድ ዝኽእል ብመጠኑ ይኹን ብስፍሓቱ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኩነታት በጺሑ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ድሕሪ እቲ ብቕድሚ ትማሊ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ኣብ ዘውጸኦ መግለፂ ብቅልጡፍ ክፍጸም ዝግባእ ዝበሎ 7 ነጥብታት ዝሓዘ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ::

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝተዋደደን፣ ነዊሕ ምድላው ዝተገበረሉ ዝበሎ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ወታሃደራዊ መራሕቲ’ታ ሃገርን ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ናብ ምቕንጻል ፍጻመ ከምዝተኻየደ’ውን ኣፍሊጡ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ‘ብደረጃ ሃገር ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ልምዓትን ምዕባለን ሎሚ መራሒ ስኢኑ ቁልቁል ምውራድ ዝተጀመረሉ ኩነታት ንርኢ ኣለና’ውን’ ይብል።

‘ትካልን ጸጥታን ደሕንነትን’ታ ሃገር ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ምሕላው ኣይካኣሉን’ ዝበለ መግለጺ ህወሓት ‘ቅንጸላ’ ላዕለዎት መራሕቲ ዘረጋገጾ ሓቂ እንተሃለወ፣ መንግስቲ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ንምኽባር እናተጸገመ፣ ብግፍዒን ጭካነን ናይ ስልጣን ድልየቶም ከርውዩ ዝደልዩ ሓይልታት ትምክሕቲ ከምድላዮም ዝዕንድርሉ ኣብ መሓውር መንግስቲ ተሰግሲጎም ዋሕስ’ዛ ሃገር ንዝኾነ ሕገ መንግስቲን ፈደራል ስርዓትን ንከፍርሱ ዝንቀሳቀስሉ ኩነታት ይራኣይ’ ከምዘሎ ዘርእይ’ዩ ኢሉ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ቅንጸላ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራ፣ ብሓሳብን ብተግባርን ተሳትፎ ዝነበሮም ሓይልታት ንክፍለዩን ብገለልተኛ ኣካል ቕልጡፍ ምጽራይ ክግበር'ውን ጸዊዑ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ዓዲ ዝብትን ዘሎ ካብ’ዚን ካብ’ቲን ዝተኣኻኸበ ‘ደምበ ትምክሕቲ’ ዝበሎ ከምዝኾነ: እዚ ሓይሊ’ዚ ከምድላዩ ንክዕንድር ዝገብር ዘሎ ድማ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራ (ኣዴፓ) እዩ ይብል። ካብ’ዚ ተበጊሱ ኣዴፓ ኣብቲ ጥፍኣት ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ መሪሕነት እቲ ውድብ ዘጋጠመ ቅትለት ብዝርዝር ገምጊሙ ናብ ተሓታትነት ክሰጋገር ካብዚ ተበጊሱ ንህዝቢ ኢትዮጰያ ይቅርታ ክሓትት ይግባእ" ኢሉ። ስለዚ ኣዴፓ ካብ ኩሎም ጉዳያት ውሽጣዊ ሽግራቱ ብዝርዝር ገምጊሙ ግልጺ ቕዋሙ ከፍልጥ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ጸዊዑ። እዚ እንተዘይኮይኑ ግን ምስዚ ሓይሊ ሓቢሩ ንምስራሕን ንምቅላስን ከም ዝጽገም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ጉዳይ ኣዴፓ ጠሚቱ ንሓላፊ ቤትፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ኣዴፓ ኣይተ ዮሃንስ ቧያለው ምላሽ ሓቲትና ንግዚኡ ዝህብዎ መልሲ ከምዘየለ ገሊፆም ከምፓርቲ ግን ኣብቲ ጉዳይ ዝህቦ መግለፂ ምላሽ እንተልዩ ክንፍልጥ ኢና ኢሎም::

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ዝተፈጠረ ናይ ኣሰላልፋ ምትሕውዋስ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እዚ፡ "ኢህወደግ ናይ ጽግዕተኛ ደባል ኣረኣእያታት ተሸኪሙ ዝነብር ግንባር እናኾነ ስለ ዝመጽአ'ዩ" ኢሉ። ብምዃኑ ድማ፡ ኢህወደግ "ናብ ንጹር ውግንና ዝተመስረተ ቃልሲ ክካየድን ኣብ ቀጻሊ ዓመት ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ክካየድ ዝግብኦ ሃገራዊ መረጻ ከም ግንባርን መንግስትን መርገፂኡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ግልጺ ክገብር የተሓሳስብ" ኢሉ።

እቲ መግለፂ"ህወሓት ከም ሓደ ሕገ-መንግስታውን ፌደራላውን ሓይሊ ህዝብን ሃገርን ካብ ህልውን መፃእን ሓደጋታት ንምድሓን ምስተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም ሕገ-መንግስታውን ፌደራላውን ሓይልታት ሰፊሕ መድረኽ ፈጢሩ ክቃለስን ብህፁፅ ናብ ተግባር ክሰጋገርን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ" ይብል::

እቲ መግለፂ ንሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ልኡላውነት ሃገርን ካብ ዝኾነ ዓይነት ሓደጋ ንምክልኻልን ንምሕላውን ዝተዋሃበኩም ሕገ-መንግስታዊ ሓላፍነት ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ውሽጣዊ ሓድነትኩም ብምሕያል ሰላምን ድሕንነትን ሃገርኩም ኣብ ምሕላው ግቡእኹም ክትፍፅሙ ይግባእ ኢሉ::

ኣብ ክልል ብ/ብ/ህዝብታትን ደቡብ ዝለዓሉ ዘለው ክልል ናይ ምኳን ሕቶታት ሕገ-መንግስታዊ ብዝኾነ መንገዲ ክፍታሕ ይግባእ ዝበለ መግለጺ ህውሓት "ካብዚ ወፃእ ሕቶ ህዝቢ ብሓይሊ ወይ ብኻልእ መንገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ፃዕሪ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን" ኢሉ።

ፈጻሚ ጉዳይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ(ኣዴፓ) ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ሕወሓት ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ዝጸንሐን ዘሎን መሕፈሪ ክፍኣቱ ዕርቃኑ ኣብ ኣደባባይ ዘቃልዐ`ዩ ኢልዎ`ሎ።

እቲ ናይ ክልል ኣምሓራ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ`ቲ መግለጺኡ፡ ነቲ ዝሓለፈ ተፈቲኑ ምሉእ ንምሉእ ፈሺሉ ዝበሎ መፈንቅለ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን፡ ቅትለት ላዕለዎት ኣመራርሓን ቀጻሊ ስጉምትታቱ ንምእንፋትን ኣብ ምግምጋም ከምዝርከብ ኣፍሊጡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG